Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 10:36 - መፅሓፍ ቅዱስ

36 ኢያሱ፥ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ፥ ካብ ኣዶላም ናብ ኬብሮን ደዪቦም ተዋግእዋ፤ ሓዝዋውን።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 10:36
17 Referencias Cruzadas  

ኣብራም ድማ ድንኳኑ ኣልዒሉ፥ ናብቲ ኣብ ኬብሮን ዘሎ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ መፂኡ ተቐመጠ፤ ኣብኡ ድማ ንእግዚኣብሄር መሰውኢ ሰርሐ።


እቶም ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ሳኦል ናብ ዳዊት ምእንቲ ኸሳግርዋ ናብኡ ናብ ኬብሮን ዝመፁ ተዋጋእቲ ቝፅሮም እዙይ እዩ፦


ሳዶቅ ድማ ጐበዝ፥ ሓያል ጅግና፥ ምስኡ ኸዓ ዕስራን ክልተን ኣሕሉቕ ካብ ቤት ኣቦኡ።


ፆርዓን፥ ኤሎንን፥ ኬብሮንን እየን።


ናብ ነጌብ ከዓ ደየቡ። ናብ ኬብሮንውን ኣተዉ፤ ኣብኣ ድማ ኣኪመን፥ ሴሲ፥ ተላሚ፥ ደቂ ዔናቅ ነበሩ፤ ኬብሮን ከዓ ሸውዓተ ዓመት ቅድሚ እታ ኣብ ግብፂ ዘላ ጣኔዎስ ዝተመስረተት ነበረት።


ስለዙይ ንጉስ ኢየሩሳሌም ኣዶኒፄዴቅ፥ ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን፥ ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን፥ ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኪሶን፥ ናብ ዳቤር ንጉስ ኣዶላምን ልኢኹ፥


በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓዝዋ፥ ብስሕለት ሰይፊ እውን ወቕዕዋ። ኢያሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምቲ ዅሉ ኣብ ላኪሶ ዝገበሮ፥ ኣብኣ ንዝነበሩ ሰባት ፈፂሙ ኣጥፍኦም።


ምስ ሓዝዋ ድማ፥ ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ከምቲ ዅሉ ኣብ ኣዶላም ዝገበሮ፥ ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ስለ ዝወቕዖም ፈፂሙ ኣጥፍኦም።


ሽዑ ሓሙሽቲኦም ነገስታት ኣሞራውያን፥ ንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንጉስ ኬብሮን፥ ንጉስ ያርሙት፥ ንጉስ ላኪሶ፥ ንጉስ ኣዶላም፥ ምስ ኵሎም ሰራዊቶም ተኣኪቦም ወፁ፤ ንገባዖን ክወግእዋ ኸበብዋ።


ንካሌብ ወዲ ዮፎኒ ድማ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ዝኣዘዞ፥ ኣብ ማእኸል ደቂ ይሁዳ ቂርያትኣርባቅ ንእትብሃል ከተማ፥ ግደ ሃቦ፤ ኣርባቅ ኣቦ ዔናቅ ነበረ።


ሑምጣ ቂርያትኣርባቅ ወይ ኬብሮን፥ ፂዖር። ኵለን ትሽዓተ ኸተማታትን ቍሸታትን።


ስለዙይ ንደቂ ኻህን ኣሮን እታ ሰብ ንዝቐተለ መዕቘቢ እትኸውን ከተማ ኬብሮን ምስ መዋፈሪኣ፥ ሊብና ምስ መዋፈሪኣ፥


ድሕሪዙይ ደቂ ይሁዳ ኸዓ ናብቶም ኣብ ኬብሮን ዝነብሩ ከነዓናውያን ከዱ። ኬብሮን ቀደም ቂርያት ኣርባቅ ትብሃል ነበረት። ንሴሲን ንኣኪመንን ንተላሜንን ድማ ቐተሉ።


ንካሌብ ድማ፥ ከምቲ ሙሴ ዘተስፈዎ ንኬብሮን ሃብዎ፤ ንሱ ኸዓ ንሰለስቲኦም ደቂ ዔናቅ ካብኣ ኣልቀቖም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos