35 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓዝዋ፥ ብስሕለት ሰይፊ እውን ወቕዕዋ። ኢያሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምቲ ዅሉ ኣብ ላኪሶ ዝገበሮ፥ ኣብኣ ንዝነበሩ ሰባት ፈፂሙ ኣጥፍኦም።
በዙይን በቱይን ኣፍረሰኒ፤ ኣነውን ከድኩ፤ ንተስፋይ ከም ኦም ነቐሎ።
ንሳቶም እኳ ኣብ ምድሪ ፀላእቶም እንተለዉ፥ ፈፂመ ኸጥፍኦም ኢለ ኣይገድፎምን እየ፤ ኣይፅየፎምን ድማ እየ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኾም እየ እሞ፥ ነቲ ምስኣቶም ዝኣተኹዎ ኺዳን ኣየፍርሶን እየ።
ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ ኻብ ላኪሶ ናብ ኣዶላም ሓለፈ፤ ከበብዋ፤ ወግእዋውን።
ኢያሱ፥ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ፥ ካብ ኣዶላም ናብ ኬብሮን ደዪቦም ተዋግእዋ፤ ሓዝዋውን።
ምስ ሓዝዋ ድማ፥ ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ከምቲ ዅሉ ኣብ ኣዶላም ዝገበሮ፥ ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ስለ ዝወቕዖም ፈፂሙ ኣጥፍኦም።