34 ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ ኻብ ላኪሶ ናብ ኣዶላም ሓለፈ፤ ከበብዋ፤ ወግእዋውን።
ስለዙይ ንጉስ ኢየሩሳሌም ኣዶኒፄዴቅ፥ ናብ ሆሃም ንጉስ ኬብሮንን፥ ናብ ጲርኣም ንጉስ ያርሙትን፥ ናብ ያፊዓ ንጉስ ላኪሶን፥ ናብ ዳቤር ንጉስ ኣዶላምን ልኢኹ፥
ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሶ ኽረድኣ ወፀ፤ ኢያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።
በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓዝዋ፥ ብስሕለት ሰይፊ እውን ወቕዕዋ። ኢያሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምቲ ዅሉ ኣብ ላኪሶ ዝገበሮ፥ ኣብኣ ንዝነበሩ ሰባት ፈፂሙ ኣጥፍኦም።
ንጉስ ኣዶላም፥ ንጉስ ጌዘር፥
ለኪሶንን ቦፅቃትን ኣዶላምን፥