Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 10:33 - መፅሓፍ ቅዱስ

33 ሽዑ ሆራም ንጉስ ጌዝር ንላኪሶ ኽረድኣ ወፀ፤ ኢያሱ ድማ ንእኡን ንህዝቡን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 10:33
11 Referencias Cruzadas  

ዳዊት ከዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንፍልስጥኤማውያንውን ካብ ገባዖን ክሳዕ ጌዘር ሰዓሮም።


ድሕሪዙይ ድማ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ጌዝር ውግእ ተልዓለ። ሽዑ ሴቦካይ ኩሳታዊ ነቲ ኻብቶም ጕልቡታት ዝኾኑ ደቂ ራፋይም ዝነበረ ንሲፋይ ቀተሎ።


ኣብ ደጕዓ ኤፍሬም፥ እታ ኸተማ ዑቕባ ዝኾነት ሰኬም፥ ጌዝር፥


እግዚኣብሄር ንላኪሶ ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ፤ ብኻልአይቲ መዓልቲ እውን ሓዝዋ፤ ከምቲ ዅሉ ንሊብና ዝገበርዎ፥ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም።


ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ኮይኑ ኻብ ላኪሶ ናብ ኣዶላም ሓለፈ፤ ከበብዋ፤ ወግእዋውን።


ንጉስ ኣዶላም፥ ንጉስ ጌዘር፥


ንሳቶም ግና ነቶም ኣብ ጌዘር ዝነብሩ ከነዓናውያን ኣየውፅእዎምን፤ ስለዙይ እቶም ከነዓናውያን ክሳዕ ሎሚ ኣብ ማእኸል ደቂ ኤፍሬም ይቕመጡ ኣለዉ፤ ናይ ጕልበት ግብሪውን የኽፍልዎም ነበሩ።


ብምዕራብ ከዓ ናብ ወሰን ያፍለጣውያን ክሳዕ ወሰን ታሕተዋይ ቤትሖሮንን ክሳዕ ጌዝርን ይወርድ፤ ናብ ጥቓ ዓብዪ ባሕሪ ድማ ይበፅሕ።


ኣብ ኰረብታታት ኤፍሬም ዘላ፥ ሰብ ዝቐተለ ዝዕቈበላ ኸተማ ሴኬም ምስ መዋፈሪኣ፥ ጌዘር ምስ መዋፈሪኣ፥


ደቂ ኤፍሬምውን ነቶም ኣብ ጌዝር ዝነብሩ ከነዓናውያን ካብታ ኸተማ ኣየውፅእዎምን፤ እቶም ከነዓናውያንውን ኣብ ማእኸሎም ኣብ ጌዝር ተቐመጡ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos