30 እግዚኣብሄር ድማ ንኣኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ። ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፉ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዑ። ከምቲ ኣብ ንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ ኣብ ንጉስ ልብናውን ገበረ።
ኢዩ ኸዓ ኣብ ኢይዝራኤል ካብ ቤት ኣክኣብ ተሪፎም ንዝነበሩ ዅሎምን ንዅሎም ዓበይቱን ፈተውቱን ካህናቱን ሓደ እኳ እንተየትረፈ ቐተሎም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽና ድማ ንእኡ ኣብ ቅድሜና ኣሕሊፉ ሃበና፤ ንእኡን ንደቁን ንዅሉ ህዝቡን ከዓ ቐተልናዮም።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ቅድሜኹም ኣሕሊፉ እንትህበኩም እሞ እንትትስዕርዎም፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ምስኣቶም ኪዳን ኣይትተኣታተዉ፤ ኣይትምሓርዎምውን።
ኢያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ ሓዛ፤ ንኣኣን ንንጉሳን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዐ፤ ንኣኣቶምን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ፥ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ንንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ፥ ንንጉስ ማቄዳውን ከምኡ ገበሮ።
ኢያሱ፥ ምስኡውን ኵሎም ደቂ እስራኤል፥ ካብ ማቄዳ ናብ ሊብና ሓለፉ፤ ንሊብና ኸዓ ወግእዋ።
ኢያሱ ምስ ኵሉ ህዝቢ እስራኤል ኮይኑ ኻብ ሊብና ናብ ላኪሶ ሓለፉ እሞ ኸበብዋ፤ ወግእዋውን።
ንሱ ንዅለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኣቶምን ንዅሎም ነገስታተንን ሓዘ፤ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቒዑ ፈፂሙ ኣጥፍኦም።
ንጉስ ልብና፥ ንጉስ ዓዱላም፥
እስራኤል ነቶም ኵሎም ደቂ ጋይ ኣብቲ ዘሳጕጉዎም ዝነበሩ ግራውትን ምድረ በዳን ቀቲሎም ምስ ወድኡ፥ ደቂ ጋይ ከዓ ዅሎም ብስሕለት ሰይፊ ምስ ወደቑ፥ ሽዑ ዅሎም ብዘለዉ ደቂ እስራኤል ናብ ጋይ ተመለሱ እሞ፥ ነቶም ህዝባ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዕዎም።
ንንጉስ ጋይ ድማ ኽሳዕ ምሸት ኣብ ኦም ሰቐሎ፤ ፀሓይ ምስ ዓረበት ከዓ፥ ኢያሱ ነቲ ሬሳኡ ኻብ ኦም ከውርድዎ ኣዘዘ፤ ኣብ ኣፍ ደገ እታ ኸተማውን ደርበይዎ። ኣብ ልዕሊኡ ድማ እቲ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ዓብዪ ጨቝላ እምኒ ጨቈሉላ።
ሰብ ጊብዓ ከዓ እቲ ኢያሱ ኣብ ኢያሪኮን ኣብ ጋይን ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥