Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 10:28 - መፅሓፍ ቅዱስ

28 ኢያሱ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ንማቄዳ ሓዛ፤ ንኣኣን ንንጉሳን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዐ፤ ንኣኣቶምን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፈ፥ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ንንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ፥ ንንጉስ ማቄዳውን ከምኡ ገበሮ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 10:28
19 Referencias Cruzadas  

ጐይታ፥ ንጐይታይ “ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ።


ነዞም ኣነ ኣብ ልዕሊኣቶም ክነግስ ዘይደለዩ ፀላእተይ ግና፥ ናብዙይ ኣምፂእኹም፥ ኣብ ቅድመይ ቅተልዎም’ ” በለ።


ንዅሎም ፀላእቱ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዝገብሮም ክነግስ ይግብኦ እዩ እሞ።


በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ንዅለን ከተማታቱ ሓዝናየን፤ ንዅለን ከተማታቱ ምስ ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሓደ እኳ እንተየትረፍና ፈፂምና ኣጥፋእናዮም።


እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣሕሊፉ ንዝህበኩም ኵሎም ኣህዛብ ኣጥፍእዎም፤ ዓይንኹምውን ኣይራህርሀሎም። ኣማልኽቶምውን መፈንጠር ከይኾኑኹም፥ ኣይተምልኽዎም።


እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣብ ቅድሜኹም ኣሕሊፉ እንትህበኩም እሞ እንትትስዕርዎም፥ ፈፂምኩም ኣጥፍእዎም። ምስኣቶም ኪዳን ኣይትተኣታተዉ፤ ኣይትምሓርዎምውን።


እግዚኣብሄር ድማ ንኣኣን ንንጉሳን ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ። ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን፥ ሓደ እኳ እንተየትረፉ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዑ። ከምቲ ኣብ ንጉስ ኢያሪኮ ዝገበሮ ኣብ ንጉስ ልብናውን ገበረ።


እግዚኣብሄር ንላኪሶ ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ሃባ፤ ብኻልአይቲ መዓልቲ እውን ሓዝዋ፤ ከምቲ ዅሉ ንሊብና ዝገበርዎ፥ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ከዓ ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም።


በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ ሓዝዋ፥ ብስሕለት ሰይፊ እውን ወቕዕዋ። ኢያሱ በታ መዓልቲ እቲኣ ኸምቲ ዅሉ ኣብ ላኪሶ ዝገበሮ፥ ኣብኣ ንዝነበሩ ሰባት ፈፂሙ ኣጥፍኦም።


ምስ ሓዝዋ ድማ፥ ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ብስሕለት ሰይፊ ቐተልዎም። ከምቲ ዅሉ ኣብ ኣዶላም ዝገበሮ፥ ሓደ እኳ ኣየትረፈን፤ ንኣኣን ኣብኣ ንዘለዉ ዅሎም ሰባትን ስለ ዝወቕዖም ፈፂሙ ኣጥፍኦም።


ንኣኣን ንንጉሳን ንዅለን ከተማታታን ሓዘ፤ ብስሕለት ሰይፊ ድማ ቐተሎም። ኣብ ዳቤር ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ሓደ እኳ እንተየትረፈ ፈፂሙ ኣጥፍኦም። ከምቲ ኣብ ኬብሮን ዝገበሮ፥ ከምቲ ኣብ ሊብናን ኣብ ንጉሳን ዝገበሮ፥ ኣብ ደቢርን ንጉሳንውን ከምኡ ገበረ።


ንጉስ ልብና፥ ንጉስ ዓዱላም፥


ንጉስ መቄዳ፥ ንጉስ ቤቴል፥


ግዴሮትን ቤትዳጎንን ናዕማን መቄዳን እየን። ኵለን ዓሰርተ ሽዱሽተ ኸተማታት እየን፤ ኣብ ዙርያአን ዘለዋ ቑሸታት እውን ይውስኽ።


ኣብታ ኸተማ ንዝነበረ ዅሉ ኸዓ ኣጥፍእዎ። ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፥ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ኣረጊት፥ ክሳዕ ብዕራይን በጊዕን ኣድግን ብስሕለት ሰይፊ ኣጥፍእዎ።


ከምቲ ንኢያሪኮን ንንጉሳን ዝገበርካዮም፥ ንጋይን ንንጉሳን ድማ ኸምኡ ኽትገብሮም ኢኻ። ምርኮኣን ጥሪታን ግና ንኣኻትኩም ውሰድዎ። ብድሕሪ እታ ኸተማ ኸዓ ሕቡእ ደጀን ግበር” በሎ።


ሰብ ጊብዓ ከዓ እቲ ኢያሱ ኣብ ኢያሪኮን ኣብ ጋይን ዝገበሮ ምስ ሰምዑ፥


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos