Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 10:24 - መፅሓፍ ቅዱስ

24 ነቶም ነገስታት ናብ ኢያሱ ምስ ኣውፅእዎም፥ ኢያሱ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ፀውዖም፤ ነቶም ምስኡ ኸይዶም ዝነበሩ ኣሕሉቕ እቶም ተዋጋእቲ ድማ “ቅረቡ እሞ ኣእጋርኩም ኣብ ክሳውዲ እዞም ነገስታት እዚኣቶም ግበሩ” በሎም። ቀሪቦም ድማ ኣእጋሮም ኣብ ክሳውዶም ገበሩ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 10:24
18 Referencias Cruzadas  

ከም ዘይትስኡ ገይረ ፈፂመ ወዳእኹዎም፤ ተስዒሮም ኣብ ትሕቲ እግረይውን ወደቑ።


ዝባን ፀላእተይ ሃብካኒ፤ ነቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ኣጥፋእኹዎም።


ኣብ ልዕሊ ኣሕሉቖምውን ሓሳር ኣፍሰሰ፤ መንገዲ ብዘይብሉ ምድረ በዳ ኸርተት ኣበሎም።


ጐይታ፥ ንጐይታይ “ንፀላእትኻ ኣብ ትሕቲ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ።


እግዚኣብሄር ኣብ የማንካ እዩ፤ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ንነገስታት ክቕጥቅጦም እዩ።


ዝባን ፀላእተይ ሃብካኒ፤ ነቶም ዝፀልኡኒ ኸዓ ኣጥፋእኻዮም።


ኣብ ልዕሊ ተዅላን ተመንን ክትከይድ ኢኻ፤ ሽደን ኣንበሳን ገበልንውን ክትረግፅ ኢኻ።


እኳ ደኣ ነቶም መጨነቕትኺ፥ ነቶም ከም ጭቃን ከም መንገድን፥ ረጊፅናኪ ኽንሓልፍስ ኣብ ምድሪ ለጥ በሊ፤ ንዝብሉኺ ኽህቦም እየ።”


በታ ኣነ ዝሰርሐላ መዓልቲ፥ እቶም ኽፉኣት ኣብ ትሕቲ ሳእኒ እግርኹም ሓመድ ክኾኑ እዮም እሞ፥ ንስኻትኩም ክትረግፅዎም ኢኹም፤ ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።


ኣምላኽ ሰላም ድማ፥ ንሰይጣን ቀልጢፉ፥ ኣብ ትሕቲ እግርኹም ክቕጥቅጦ እዩ። ፀጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ምሳኻትኩም ይኹን።


ኦ እስራኤል! ብፁእ ኢኻ፤ ብእግዚኣብሄር ዝደሓነ ህዝቢ ኸማኻ መን ኣሎ? ንሱ ዋልታ ሓገዝካ፥ ሰይፊ መመክሒኻ እዩ። ፀላእትኻ ኽግዝኡልካ እዮም፤ ንስኻ ድማ ኣብ ልዕሊ በረኽቶም ክትረግፅ ኢኻ።


እግዚኣብሄር ካብ መላእኽቲ፦ “ንፀላእትኻ መርገፂ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፥ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” ዝበሎ ንሓደኳ የለን።


ንዮቴር በዅሪ ወዱ “ተሲእኻ ቕተሎም” በሎ። እቲ ወዱ ግና ንእሽተይ ነበረ እሞ፥ ስለ ዝፈርሐ ሰይፊ ኣይመዘዘን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos