22 ሽዑ ኢያሱ “ነቲ ኣፍ በዓቲ ኽፈትዎ፤ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ካብቲ በዓቲ ኣውፂእኹም ናባይ ኣምፅእዎም” በለ።
ኢያሱ ድማ “ናብ ኣፍ እቲ በዓቲ ዓበይቲ ኣእማን ኣንከራርዉ፤ ዝሕልውዎም ሰባት ከዓ ግበሩ።
ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ናብቲ ኢያሱ ዘለዎ ናብ ሰፈር ናብ ማቄዳ ብሰላም ተመለሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤል ደፊሩ ዝተዛረቦ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
ከምኡ ድማ ገበሩ፤ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት፥ ንንጉስ ኢየሩሳሌም፥ ንንጉስ ኬብሮን፥ ንንጉስ ያርሙት፥ ንንጉስ ላኪሶ፥ ንንጉስ ኣዶላም፥ ካብቲ በዓቲ ኣውፂኦም ናብኡ ኣምፅእዎም።
ንንጉስ ጋይ ከዓ ብህይወቱ እንተሎ ሒዞም ናብ ኢያሱ ኣምፅእዎ።
ሳሙኤል ድማ “ንኣጋግ ንጉስ ኣማሌቃውያን ኣምፅኡለይ” በለ። ኣጋግ ከዓ ብፍርሓት እናንቀጥቀጠ ናብ ሳሙኤል መፀ። ኣጋግውን “ብሓቂ ሞት ከምዙይ መሪር ድዩ?” በለ።