20 ኢያሱን ደቂ እስራኤልን ብዓብዪ ውቅዒት ወቕዕዎም፤ ምውቃዖም ምስ ፈፀሙውን እቶም ካብኣቶም ሃዲሞም ዘምለጡ ናብተን ዝተዓረዳ ኸተማታት ምስ ኣተዉ፥
ሽዑ ዳዊት ንኣቢሳ፥ “ሕዚ ሳቤዔ ወዲ ቢክሪ ኻብ ኣቤሴሎም ዝገደደ ጕድኣት ከውርደልና እዩ፤ ዕሩዳት ከተማታት ከይረክብ እሞ፥ ከይመልቝስ፥ ንስኻ ኣገልገልተይ ሒዝካ ሰዓቦ” በሎ።
ኣክኣብ ንጉስ እስራኤል ከዓ ናብ ውግእ ኣትዩ ናይ ፀላእቲ ኣፍራስን ሰረገላታትን ማረኸ። ንሶርያውያን ከዓ ብርቱዕ ጕድኣት ኣብፅሐሎም።
ኣብያን ህዝቡን ከዓ ዓቢዪ ውቅዒት ወቕዑዎም፤ ካብ እስራኤል ድማ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ሕሩያት ሰባት ተቐቲሎም ወደቑ።
ኣብታ ሃገር መለኸት ንፍሑ ኢልኩም፥ ኣብ ይሁዳ ተናገሩ፥ ኣብ ኢየሩሳሌምውን ኣውጁ፤ ዓው ኢልኩም ድማ፥ “ተኣከቡ እሞ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ” ኢልኩም ንገሩ።
“ስለ ምንታይ ስቕ ኢልና እንቕመጥ? ተኣከቡ፤ ንዑናይ ናብተን ዕሩዳት ከተማታት ንእቶ፤ ኣብኡ ኸዓ ንጥፋእ፤ ንእኡ ስለ ዝበደልና፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽና መሪር ማይ ክንሰቲ ሂቡና እዩ፤ እግዚኣብሄር ድማ ኣጥፊኡና እዩ።
“ካብዘን እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንርስቲ ዝህበኩም ከተማታት እዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ግና፥ እስትንፋስ ዘለዎ ሓደ እኳ ብህይወት ኣይትሕደጉ።
እግዚኣብሄርውን ኣብ ቅድሚ እስራኤላውያን ኣደንገፆም። ኣብ ገባዖንውን ብዓብዪ መውቃዕቲ ወቕዖም፤ ብመንገዲ ዓቐበት ቤትሖሮንውን ኣሳጐጎም፤ ክሳዕ ዓዜቃን ክሳዕ ማቄዳን ከዓ ወቕዖም።
ንስኻትኩም ግና ኣይትደንጕዩ፤ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ንፀላእትኹም ኣብ ኢድኩም ሂቡኩም እዩ እሞ፥ ኣሳጕጉዎም። ነቶም ብድሕሪት ዘለዉ ድማ ቕተልዎም፤ ናብ ከተማታቶም ከይኣትዉ ኸልክልዎም” በሎም።
ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ናብቲ ኢያሱ ዘለዎ ናብ ሰፈር ናብ ማቄዳ ብሰላም ተመለሰ። ንሓደ ኻብ ደቂ እስራኤል ደፊሩ ዝተዛረቦ ሓደ እኳ ኣይነበረን።
ንሱ ንዅለን ከተማታት እዞም ነገስታት እዚኣቶምን ንዅሎም ነገስታተንን ሓዘ፤ ከምቲ ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ ዝኣዘዞ ኸዓ፥ ብስሕለት ሰይፊ ወቒዑ ፈፂሙ ኣጥፍኦም።
እግዚኣብሄር ድማ ንፀላእቶም ኣብ ኢዶም ኣሕሊፉ ሃቦም፤ ደቂ እስራኤል ከዓ ሰዓርዎም፤ ክሳዕ እታ ዓባይ ሲዶና፥ ክሳዕ ማሴሮን፥ ብወገን ምብራቕውን ክሳዕ ለሰ ምፅጳ ኣሳጐጕዎም። ሓደ እኳ እንተየትረፉ ቐተልዎም።
እስራኤል ነቶም ኵሎም ደቂ ጋይ ኣብቲ ዘሳጕጉዎም ዝነበሩ ግራውትን ምድረ በዳን ቀቲሎም ምስ ወድኡ፥ ደቂ ጋይ ከዓ ዅሎም ብስሕለት ሰይፊ ምስ ወደቑ፥ ሽዑ ዅሎም ብዘለዉ ደቂ እስራኤል ናብ ጋይ ተመለሱ እሞ፥ ነቶም ህዝባ ብስሕለት ሰይፊ ወቕዕዎም።