15 ኢያሱ ምስ ኵሎም ደቂ እስራኤል ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ተመለሰ።
ነቶም ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ህዝቢ እውን ኣውፂኡ ብመጋዝን ብመዅዓቲ ሓፂንን ብምሳርን ከም ዝሰርሑ ገበሮም፤ ጡብ ክሰርሑ ኸዓ ኣገደዶም። ንዅለን ከተማታት ደቂ ኣሞን ድማ ኸምኡ ገበረን። ድሕሪዙይ ዳዊትን ኵሉ እቲ ህዝብን ናብ ኢየሩሳሌም ተመለሱ።
እግዚኣብሄር ንእስራኤል ተዋጊኡሎም እዩ እሞ፥ ቃል ሰብ ዝሰምዐላ ኸምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት፥ ቅድሚኣ ኾነ ድሕሪኣ ኣይነበረትን።
እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ድማ ሃዲሞም ኣብ በዓቲ ማቄዳ ተሓብኡ።
ድሕሪዙይ ኢያሱን ህዝቢ እስራኤልን ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ተመለሱ።
ሰብ ገባዖን ድማ ናብ ኢያሱ ናብቲ ሰፈር ናብ ጌልገላ ልኢኾም “ንባሮትካ ንምርዳእ ኢድካ ኣይትመልስ፤ እቶም ኣብ ደጕዓ ዝነብሩ ነገስታት ኣሞራውያን ኵሎም ክዋግኡና ተኣኪቦም ኣለዉ እሞ ቐልጢፍካ ናባና ደይብ፤ ኣድሕነና፤ ርድአናውን” በልዎ።