11 ካብ እስራኤል ሃዲሞም፥ ኣብቲ መውረዲ ቤትሖሮን እንትወርዱ ኽሳዕ ዓዜቃ ዝበፅሑ፥ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዓበይቲ ደንጐላታት በረድ ኣውረደሎምሞ ሞቱ። ካብቶም ደቂ እስራኤል ብሰይፊ ዝቐተልዎም፥ እቶም ብደናጉል በረድ ዝሞቱ ይበዝሑ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ሰዶምን ገሞራን ካብ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ዲንን ሓዊን ኣዝነመ።
እቲ ውግእ ኸዓ ኣብ ዅላ እታ ምድሪ ተጋፍሐ። በታ መዓልቲ ኻብቲ ሰይፊ ዝወሓጦ ዱር ዝወሓጦ በዝሐ።
ኣብ መዛግብቲ በረድዶ ኣቲኻ ትፈልጥ? ንቤት መዛግብቲ በረድከ ርኢኻዮዶ ትፈልጥ?
ንእኡ ንጊዜ መከራን ንመዓልቲ ሰልፍን ውግእን ዝዓቘርክዎ እዩ።
መፈንጠር ኣብ ልዕሊ ሓጥኣን የዝንም፤ ጕሁር ሓዊን ዲንን ኣውሎ ንፋስን፥ ዕድል ፅዋዖም እዩ።
ንበረድውን ከም ርፍራፍ የውርድ፤ ንቝሩኸ መን ክቃወሞ ይኽእል?
እንሆ፥ ሓደ ብርቱዕን ሓያልን ካብ እግዚኣብሄር፥ ተዳልዩ ኣሎ። ንሱ ኸም ብርቱዕ ዝናም በረድን ከም ዘጥፍእ ንፋስ ኣውሎን፥ ከም ብርቱዕ ፃፊዓ ውሕጅን ኮይኑ፥ ብሓይሊ ናብ ምድሪ ኽድርበ እዩ።
እግዚኣብሄር ነቲ ተኣምራታዊ ስራሑ ምእንቲ ኽገብር፥ ነቲ ጋሻ ዝኾነ ተግባሩ ምእንቲ ኽፍፅም፥ ከምቲ ኣብ እምባ ፐራሲም ዝነበረ ይትስእ፤ ኣብ ለሰ ገባዖን ከም ዝነበረ ኸዓ ይቝጣዕ።
እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኽቡር ድምፁ ኸስምዕ እዩ። ምውራድ ቅልፅሙ ኸዓ ብቝጥዓኡን፥ ብዝነድድ ሃልሃልታ ሓዊን፥ ብንፋስ ኣውሎን ፀፍዕን ነጐድጓድን፥ በእማን በረድን ከርኢ እዩ።
ነቶም ሓሰር ብዘይብሉ ጭቃ ዝመርጉ ሰባት፥ ክወድቕ እዩ በሎም። ዝደማስስ ዝናም ክዘንም እዩ፤ ኣውሎ ንፋስ ከዓ ኸፍርሶ እዩ።
እታ፥ ኣብ ሰማይ ዘላ መቕደስ እግዚኣብሄር ተኸፈተት፤ ኣብታ መቕደስ እግዚኣብሄርውን፥ ታቦት ኪዳኑ ተርኣየ፤ መብረቕን፥ ድምፂ ነጐድጓድን፥ ምንቅጥቃጥ ምድርን፥ ብርቱዕ በረድን ድማ ኾነ።
ኣርብዓን ሓሙሽተን ኪሎ ግራም ዝምዘን በረድ፥ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ። እቲ መቕሰፍቲ የመና ዝኸፍአ ስለ ዝነበረ፥ እቶም ሰባት፥ ብሰንኪ እቲ መቕሰፍቲ በረድ፥ ንእግዚኣብሄር ፀረፍዎ።
ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ተዋግኡ፤ ብኣካይዳኦምውን ምስ ሲሳራ ተዋግኡ።