9 ፅናዕ፤ ትባዕ፥ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን? ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን?”
እንሆ ኣነ ምሳኻ እየ፤ ነቲ ዝበልኩኻ ኽሳዕ ዝገብሮ ኣይሓድገካን እየ፤ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ኽሕልወካ እየ፤ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ኽመልሰካ እየ” በሎ።
እግዚኣብሄር ምስ ዮሴፍ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ስራሑ ዝቐንዐሉ ሰብ ኮነ። ኣብ ቤት እቲ ግብፃዊ ጐይታኡ ድማ ይነብር ነበረ።
ጐይታኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ኸም ዘሎን ንሱ ዝገብሮ ዅሉ ድማ እግዚኣብሄር ከም ዘቕንዐሉን ረአየ።
ንሓሻኽሩ ድማ “ኣስተውዒልኩም ስምዑኒ፤ ኣምኖን ወይኒ ሰትዩ ልቡ ደስ ምስ በሎ ረአዩ፤ ንኣምኖን ቅተልዎ ምስ በልኩኹም ቅተልዎ። ንስኻትኩም ከዓ ኣነ ባዕለይ እእዝዘኩም ስለ ዘለኹ ኣይትፍርሑ፤ ፅንዑ፤ ሓያላት ድማ ኹኑ” በሎም።
ዳዊት ንወዱ ሰሎሞን ከምዙይ በሎ፦ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ እቲ ኣምላኸይ፥ ምሳኻ እዩሞ፥ ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ስራሕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበርውን። እቲ ነገልግሎት ቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ኵሉ ስራሕ ክሳዕ ዝውዳእ፥ ንሱ ኣይጠልመካን፤ ኣይሓድገካን ከዓ እዩ።
ንስኻትኩም ግና ዓስቢ ስራሕኹም ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፥ ፅንዑ፤ ኢድኩም ኣይላሕልሕ።”
ጐይታ ሰራዊት ምሳና እዩ፤ ኣምላኽ ያእቆብውን መፀግዒና እዩ።
ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፥ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፤ ክረድአካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ።
ሕዚ ግና ኦ ያእቆብ፥ እቲ ዝፈጠረካ፥ ኦ እስራኤል፥ እቲ ዝሰርሐካ፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ተቤዚወካ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ብስምካ ፀዋዕኩኻ፤ ንስኻ ናተይ ኢኻ።
ምሳኻ እየ እሞ ኣይትፍራሕ።” “ንዘርእኻ ኻብ ምብራቕ ከምፅኦም፥ ካብ ምዕራብ ከዓ ኽኣኻኽበካ እየ።
“እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ሻራ ኢሎም ንዝፅውዕዎ ዝኾነ ነገር ሻራ ኣይትበሉ፤ ነቲ ንሳቶም ዝፈርሕዎ፥ ኣይትፍርሕዎ፤ ብእኡውን ኣይትርዓዱ።
ንሱ ኸዓ “ኣታ የመና ዝተፈተኻ ሰብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ በርትዕ፤ ፅናዕ” በለኒ። እናተዛረበኒ እንተሎ፥ በርታዕኹ እሞ፥ “ኦ ጐይታ፥ ኣበርቲዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ተዛረብ” በልኩዎ።
ሕዚ ኸዓ፥ ኦ ዘሩባቤል፥ ፅናዕ፤ ይብል እግዚኣብሄር። ንስኻ ኢያሱ ወዲ ሊቀ ካህናት ኢዮሴዴቅውን ፅናዕ፤ ኵልኻትኩም ህዝቢ እታ ሃገርውን ፅንዑ፤ ስርሑውን፤ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነ ምሳኻትኩም እየ እሞ፥ ስርሑ” ይብል ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር።
ካብ ግብፂ ኽትወፁ እንተለኹም ምሳኻትኩም ዝኣተኹዎ ቓል ኪዳን፥ መንፈሰይ ኣብ ማእኸልኩም ይነብር ኣሎ እሞ፥ ኣይትፍርሑ።
ጴጥሮስን ዮሃንስን ከዓ “ንእግዚኣብሄር ካብ ምስማዕ፥ ንኣኻትኩም ምስማዕ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ እንተ ደኣ ኾይኑስ፥ እስኪ ባዕልኻትኩም ፍረዱ።
እንሆ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እዛ ምድሪ እዚኣ ሃበኩም፤ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዝበለኩም ድማ ደይብኩም ውረስዋ፤ ኣይትፍርሑ፤ ኣይትሸበሩ’ በልኩኹም።
“ምስ ፀላእትኹም ክትዋግኡ ምስ ወፃእኹም፥ ኣፍራስን ሰረገላታትን ካባኻትኩም ዝበዝሕ ሰራዊትን እንተ ረአኹም፥ እቲ ኻብ ግብፂ ዘውፅአኩም እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምሳኻትኩም እዩ እሞ፥ ኣይትፍርሕዎም።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ “ንስኻ ኢኻ ንደቂ እስራኤል ናብታ ዝመሓልኩሎም እተእትዎም እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” ኢሉ ኣዘዞ።
ሕዚ ኸዓ ዓበይቲ ነገዳትኩምን ኣሕሉቕኩምን ኣክቡለይ፤ እዝ ነገር እዙይ ድማ ኽዛረቦም እየ፤ ሰማይን ምድርን ከዓ ምስክረይ ክኾኑ እዮም።
ሽዑ ኢያሱ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝቢ “ብማእኸል ሰፈር ሓሊፍኩም ነቶም ህዝቢ፦ ‘በዘን ሰለስተ መዓልቲ እዚኣተን ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትወርስዋ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉ ኢኹምሞ ስንቅኹም ኣዳልዉ’ በልዎም” ኢሉ ኣዘዞም።
ከምቲ ንሙሴ ብዅሉ ዝተኣዘዝናዮ፥ ንኣኻውን ክንእዘዘካ ኢና። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ደኣ ኸምቲ ምስ ሙሴ ዝነበረ፥ ምሳኻውን ይኹን።
ንስኻ ደኣ ፅናዕ፥ ትባዕ እምበር፥ ኵሉ ቓልካ ዘይሰምዕን ትእዛዝካ ዘይፍፅምን ሰብ ይቀተል” ኢሎም መለሱሉ።
ኢያሱ ድማ “እግዚኣብሄር ነቶም እትዋግእዎም ኵሎም ፀላእትኹም ከምዙይ ክገብሮም እዩ እሞ ኣይትፍርሑን ኣይትደንግፁን፥ ፅንዑን ትብዑን” በሎም።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ፥ “ኣብ ኢድካ ኣሕሊፈ ሂበዮም ኣለኹ፤ ካብኣቶም ሓደ ሰብ እኳ ዝቃወመካ የለንሞ፥ ኣይትፍርሓዮም” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ከምቲ ምስ ሙሴ ዝነበርኩ ምሳኻውን ከም ዘለኹ ምእንቲ ኽፈልጡስ፥ ሎሚ ኣብ ዓይኒ ዅሉ እስራኤል ልዕል ልዕል ከብለካ ኽጅምር እየ።
እግዚኣብሄር ምስ ኢያሱ ነበረ እሞ፥ ዝናኡ ናብ ኵላ እታ ሃገር በፅሐ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ “ኣይትፍራሕ፥ ኣይትደንግፅ። ተዋጋእቲ ዝኾኑ ሰባት ውሰድ፤ ደይብ እሞ ንጋይ ውግኣያ። ረአ፤ ኣነ ንንጉስ ጋይን ንህዝቡን ንኸተማኡን ንሃገሩን ኣሕሊፈ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ናብኡ ግልፅ ኢሉ “እንሆ ኣነ እልእኸካ ኣለኹ፤ በቲ ዘለካ ሓይሊ ድማ ኼድካ ንእስራኤል ካብ ኢድ ምድያማውያን ኣድሕኖም” በሎ።
እዞም ምልክታት እዚኣቶም ምስ በፅሑኻ፥ እግዚኣብሄር ምሳኻ ስለ ዝኾነ፥ እቲ ዝግባእ ግበር።