7 ከምቲ ኣገልጋሊየይ ሙሴ ዝኣዘዘካ፥ ንዅሉ ሕጊ ተጠንቂቕካ ሓልዎ። ፅናዕ፤ ኣይዞኻ ትባዕ። ብዅሉ እትኸዶ ምእንቲ ኽቐንዐካ ኻብቲ ሕጊ ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበል።
“ኣነ መንገዲ ዅሉ ምድሪ እኸይድ ኣለኹሞ፥ ፅናዕ፤ ሰብውን ኩን።
እትገብሮ ዅሉን ኣብ እትኸዶ ዅሉን ምእንቲ ኽቐንዐካስ፥ ከምቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ተፅሒፉ ዘሎ፥ ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ሓሉ፤ ከም ፍቓዱ ኸዓ ንበር፤ ሕግጋቱን ትእዛዛቱን ስርዓቱን ድማ ሓሉ።
ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቅኑዕ ስራሕ ሰርሐ። ብመንገዲ ኣቦኡ ዳዊት ከደ፤ ካብኡውን ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣየግለሰን።
ነቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ንደቂ እስራኤል ዝሃቦም ሕግጋትን ፍርድታትን ተጠንቂቕካ እንተ ሓሊኻዮ፥ ክቐንዐካ እዩ። ፅናዕ፤ ትባዕ፤ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትሸበር።
ንስኻትኩም ግና ዓስቢ ስራሕኹም ክትረኽቡ ኢኹም እሞ፥ ፅንዑ፤ ኢድኩም ኣይላሕልሕ።”
እቲ ፍርሓት እግዚኣብሄር ዝምህሮ ዝነበረ ዘካርያስ ብህይወት እንተሎ ንእግዚኣብሄር የገልግል ነበረ፤ ንእግዚኣብሄር ከገልግል እንተሎ ኸዓ እግዚኣብሄር ሞገስ ይህቦ ነበረ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሰይጣን “ንባርያይ ኢዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ? ኸም ኢዮብ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽን ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ፍፁምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የለን” በሎ።
ኦ ጐይታ ኣምላኽ ሰራዊት፥ ምለሰና፤ ንኽንድሕን ድማ ገፅካ ኣብርሀልና።
ንየማን ወይ ንፀጋም ኣይትበል፤ ንእግርኻውን ካብ ክፉእ ኣርሕቆ።
ኣነ ብመንገዲ ፅድቂ እኸይድ፤ ብማእኸል ጐዳና ፍትሒውን እመላለስ።
ንሱ ኸዓ “ኣታ የመና ዝተፈተኻ ሰብ፥ ኣይትፍራሕ፤ ሰላም ንኣኻ ይኹን፤ በርትዕ፤ ፅናዕ” በለኒ። እናተዛረበኒ እንተሎ፥ በርታዕኹ እሞ፥ “ኦ ጐይታ፥ ኣበርቲዕኻኒ ኢኻ እሞ፥ ተዛረብ” በልኩዎ።
ሙሴ ኸዓ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝተናገሮ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበረሉ፤ ኣዘዞውን።
“እምበኣር ነዝ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት ሓልውዎ፤ ሽዑ ኽትሕይሉ፥ ናብታ ንዮርዳኖስ ሰጊርኩም ክትወርስዋ ዘለኩም ምድሪ ኸዓ ኽትኣትዉ ኢኹም።
“ነዝ ዅሉ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ነገር ተጠንቂቕኩም ፈፅምዎ። ኣብ ልዕሊኡ ሓደ ኣይትወስኹ፤ ካብኡውን ሓደኳ ኣይተጕድሉ።”
ሃገሮም ሓዝና፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፈረቓ ነገድ ምናሴን ርስቲ ሃብናዮም።
“ኵሉ እቲ እትገብርዎ ምእንቲ ኽሰልጠኩምስ ንቓል እዝ ኺዳን እዙይ ተጠንቂቕኩም ሓልውዎ።
ሙሴ ድማ ንኢያሱ ፀዊዑ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል “ንስኻ ምስ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትኣቱ፥ ንስኻ ድማ ኽተውርሶም ኢኻ እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን።
ነዝ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘለኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ኣይትወስኹ፤ ካብኡ ኸዓ ኣይትነክዩ።
እምበኣር ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝኣዘዘኩም ክትገብሩ ተጠንቀቑ። ካብኡ ንየማን ኮነ ንፀጋም ኣይትበሉ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፥ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ምስ ሞተ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ኣገልጋሊ ሙሴ፥
ነቲ ኣብኡ ዝተፅሓፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮ፥ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፥ ነዝ መፅሓፍ ሕጊ እዙይ ካብ ኣፍካ ኣይትፍለዮ። ሽዑ መንገድኻ ኽቐንዐካን ክሰልጠካን እዩ።
ፅናዕ፤ ትባዕ፥ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን? ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን?”
ከምቲ እግዚኣብሄር ንባርያኡ ንሙሴ ዝኣዘዞ፥ ከምኡ ሙሴ ንኢያሱ ኣዘዞ፤ ኢያሱውን ከምኡ ገበረ። ንሱ ኻብቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ሓደ ነገር እኳ ኣየትረፈን።
“ነቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ሕጊ ሙሴ ዝተፅሓፈ ኽትሕልውዎን ክትገብርዎን፥ ካብኡ ኸዓ ንየማን ኮነ ንፀጋም ከይትብሉ፥ ፅንዑ።