Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 1:4 - መፅሓፍ ቅዱስ

4 ወሰንኩም ካብ ምድረ በዳን ካብ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ፥ ብምልእታ ምድሪ ኬጢያውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ዘሎ ዓብዪ ባሕሪ ክኸውን እዩ።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 1:4
12 Referencias Cruzadas  

ሓደ ሰረገላ ኻብ ግብፂ ብሽዱሽተ ሚእቲ ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ሓደ ፈረስ ከዓ ብሚእትን ሓምሳን ቅርሺ ብሩር ይዕደግ ነበረ። ንዅሎም ነገስታት ኬጢያውያንን ንነገስታት ሶርያን ድማ ኸምኡ እናገበሩ በእዳዎም የምፅኡሎም ነበሩ።


ሰሎሞን ድማ ኻብቲ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ክሳዕ ወሰን ግብፅን ኣብ ልዕሊ ዅሎም መንግስታት ይገዝእ ነበረ። ንሳቶምውን ንሰሎሞን ብዅሉ ዘመን ህይወቱ ይግብሩሉን ይግዝእዎን ነበሩ።


ዳዊት ድማ ግዝኣቱ ክሳዕ ሩባ ኤፍራጥስ ከስፍሕ ስለ ዝደለየ፥ ንሃዳርዔዘር ንጉስ ሱባ ተዋግኦ፤ ኣብ ሓማት ድማ ሰዓሮ።


መጓሰታቶም ኣብ ሃገር ገለዓድ በዚሐን ነበራ እሞ፥ ብወገን ምብራቕ ድማ ኻብ ሩባ ኤፍራጥስ ክሳዕ እቲ ንበረኻ ዘእቱ ይቕመጡ ነበሩ።


ኣብ ኢየሩሳሌም ከዓ ንሰገር ሩባ ዝነበረ ዅሉ ሃገር ዝገዝኡ ሓያላት ነገስታት ነበሩ፤ ግብርን ቀረፅን ገፀ በረኸትን ይቕበሉ ነበሩ።


“ነቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ፥ ኣብ ኣእዳውካ ኽህበካ እየ፤ ካብ ቅድሜኻ ኸዓ ኽትሰጎም ኢኻ እሞ፥ ሽዑ ወሰንካ ኻብ ቀይሕ ባሕሪ ኽሳዕ ባሕሪ ፍልስጥኤም፥ ካብ ምድረ በዳ ድማ ኽሳዕ ፈለግ ኤፍራጥስ ክገብሮ እየ።


ካብዙይ ተልዒልኩም ተጕዓዙ፤ ናብ እምባ ኣሞራውያንን ኣብ ጥቓኡ ናብ ዘሎ ዅሉን ናብ ፈለግ ዮርዳኖስን ናብ ደጕዓን ናብ ቈላን ናብ ደቡብን ናብ ወሰን ባሕርን ናብ ምድሪ ከነዓናውያንን ናብ ሊባኖስን፥ ክሳዕ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስን እውን ኪዱ።


ኵላ እግርኹም ዝረገፃ ቦታ ናታትኩም ክትከውን እያ፤ ወሰንኩም ድማ ኣብ ምድረ በዳ፥ ክሳዕ ሊባኖስ፥ ኣብቲ ዓብዪ ፈለግ ካብ ኤፍራጥስ፥ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ምዕራብ ክኸውን እዩ።


ነዛ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ፍርያም ምድሪ፥ ነቲ ፅቡቕ ደጕዓን ንሊባኖስን፥ ክርኢ በይዛኻ ኣሕልፈኒ?’ ኢለ ለመንክዎ።


“ነቶም ኣብቲ ዓብዪ ሩባ ኤፍራጥስ፥ ተኣሲሮም ዝነበሩ ኣርባዕተ መላእኽቲ፥ ፍትሓዮም” በሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos