2 “ኣገልጋሊየይ ሙሴ ሞይቱ እዩ እሞ፥ ሕዚ ተስእ፤ ንስኻን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉ፥ ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገርዎ።
ኵላ ምድሪ ከነዓን፥ እዛ ሕዚ ስደተኛ ዄንካ ተቐሚጥካያ ዘለኻ ምድሪ፥ ንኣኻን ብድሕሬኻ ድማ ንዘርእኻን ንዘለኣለም ክህብ እየ። ኣምላኽውን ክኾኖም እየ” በሎ።
ንደቆም ከም ከዋኽብቲ ሰማይ ኣብዛሕኻዮም፤ ናብታ ነቦታቶም ክኣትዉዋን ክወርስዋን ዘተስፈኻዮም ምድሪ ድማ ኣእተኻዮም።
እግዚኣብሄር ከዓ ንሰይጣን “ንባርያይ ኢዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ? ኸም ኢዮብ ገይሩ ንእግዚኣብሄር ዘምልኽን ክፉእ ካብ ምግባር ዝረሓቐን ፍፁምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የለን” በሎ።
“እንሆ፥ ደጊፈ ዝሓዝኩዎ ባርያይ፥ ኣነ ዝሓረኽዎ፥ ብእኡ ኸዓ ደስ ዝብለኒ፥ ሕሩየይ፥ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊኡ ኣሕዲረ ኣለኹ፤ ንሱ ኸዓ ንኣህዛብ ፍትሒ ኸውፅአሎም እዩ።
ምስ ባርያይ ሙሴ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ ንሱ ኣብ ኵሉ ቤተይ እሙን እዩ።
ኢያሱ ግና ቐቅድሚ እዝ ህዝቢ እዙይ ክሓልፍ፥ ንሱ ኸዓ ነዛ እትሪኣ ዘለኻ ምድሪ ኸውርሶም እዩ እሞ፥ ንእኡ ኣዝዞን ኣፀናንዓዮን ኣተባብዓዮንውን’ በለኒ።
ሙሴ ድማ ንኢያሱ ፀዊዑ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝቢ እስራኤል “ንስኻ ምስ እዝ ህዝቢ እዙይ፥ ናብታ እግዚኣብሄር ነቦታቶም ክህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኽትኣቱ፥ ንስኻ ድማ ኽተውርሶም ኢኻ እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን።
ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ሞተ።
ከምዙይ ድማ ኾነ፥ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ምስ ሞተ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ኣገልጋሊ ሙሴ፥