Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




መፅሓፍ ኢያሱ 1:14 - መፅሓፍ ቅዱስ

14-15 ኣንስትኹምን ህፃናትኩምን ከፍትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ይፅንሑ። ንስኻትኩም ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዘዕረፈኩም፥ ነሕዋትኩም ድማ ኽሳዕ ዘዕርፎም፥ ንሳቶምውን እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝወርሱ፥ ሓያላት ጀጋኑ ዝኾንኩም ኵልኻትኩም ኣፅዋር ሒዝኩም፥ ነሕዋትኩም ክትሕግዙ ቐቅድሚኣቶም ሕለፉ። ብድሕሪኡ ናብታ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ብምውፃእ ፀሓይ ብወገን ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ርስትኹም ክትምለሱ ኢኹም” በሎም።

Ver Capítulo Copiar




መፅሓፍ ኢያሱ 1:14
9 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ግና ነቶም ህዝቢ ብመንገዲ ምድረ በዳ ኣቢሉ ንባሕሪ ኤርትራ ኣዞሮም። ደቂ እስራኤል ድማ ንውግእ ከም ዝተዳለዉ ኾይኖም፥ ካብ ምድሪ ግብፂ ተሰሊፎም ወፁ።


ቈልዑናን ኣንስትናን መጓሰ ኣባጊዕናን ኵሉ እንስሳትናን ኣብኡ ኣብ ከተማታት ገለዓድ ይኹኑ።


እቶም ኣሕሉቕ ከዓ ወሲኾም ነቶም ህዝቢ፦ ‘ፈራሕ ሰብ፥ ልቡ ዝጃጁ መን ኣሎ? ኸምቲ ልቡ፥ ልቢ ኣሕዋቱ ኸዓ ኸየሸብርስ፥ ይኺድ፤ ናብ ቤቱውን ይመለስ’ ይበልዎም።


ግና ብዙሓት ከፍቲ ኸም ዘለዋኹም እፈልጥ እየሞ፥ ኣንስትኹምን ደቅኹምን ከፍትኹምን ኣብተን ዝሃብኩኹም ከተማታት ይቀመጡ።


ግደ ሓለቓ ኣብኡ ተዓቚሩ ነበረ እሞ፥ እቲ ቀዳማይ ክፍሊ ንባዕሉ መረፀ፤ ምስ ኣሕሉቕ ህዝቢ መፀ፤ ምስ እስራኤል ኮይኑ ኸዓ ፅድቂ እግዚኣብሄርን ፍርዱን ፈፀመ።”


“እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ዝኣዘዘኩም ቃል ዘክሩ፦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዕርፈኩም እዩ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ሂቡኩም ኣሎ።’


ደቂ ሮቤልን ደቂ ጋድን ፍርቂ ነገድ ምናሴንውን፥ ከምቲ ሙሴ ዝበሎም፥ ኣፅዋር ሒዞም ቀቅድሚ ደቂ እስራኤል ተሳገሩ።


እታ ሰበይቲ ኸዓ፥ ቀይሕ ግምጃን፥ ቀይሕ ውፁእ ኽዳንን ተወንዚፋ፥ ብወርቅን ብኽቡር እምንን ኣዕናቝን ተሸሊማ ነበረት፤ ርኽሰት ምንዝርናኣ ዝመልአ፥ ዘነውር ፅዋዕ ወርቂ ኸዓ፥ ኣብ ኢዳ ሒዛ ነበረት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos