መፅሓፍ ኢያሱ 1:13 - መፅሓፍ ቅዱስ13 “እቲ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ዝኣዘዘኩም ቃል ዘክሩ፦ ‘እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ከዕርፈኩም እዩ፤ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸዓ ሂቡኩም ኣሎ።’ Ver Capítulo |
ኣንስትኹምን ህፃናትኩምን ከፍትኹምን ኣብታ ሙሴ ኣብ ማዕዶ ፈለግ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ይፅንሑ። ንስኻትኩም ግና ኸምቲ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩም ዘዕረፈኩም፥ ነሕዋትኩም ድማ ኽሳዕ ዘዕርፎም፥ ንሳቶምውን እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝህቦም ምድሪ ኽሳዕ ዝወርሱ፥ ሓያላት ጀጋኑ ዝኾንኩም ኵልኻትኩም ኣፅዋር ሒዝኩም፥ ነሕዋትኩም ክትሕግዙ ቐቅድሚኣቶም ሕለፉ። ብድሕሪኡ ናብታ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ብምውፃእ ፀሓይ ብወገን ምብራቕ ዮርዳኖስ ዝሃበኩም ምድሪ ርስትኹም ክትምለሱ ኢኹም” በሎም።