10-11 ሽዑ ኢያሱ ነቶም ኣሕሉቕ ህዝቢ “ብማእኸል ሰፈር ሓሊፍኩም ነቶም ህዝቢ፦ ‘በዘን ሰለስተ መዓልቲ እዚኣተን ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳጊርኩም ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትወርስዋ ንርስቲ ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉ ኢኹምሞ ስንቅኹም ኣዳልዉ’ በልዎም” ኢሉ ኣዘዞም።
ፅናዕ፤ ትባዕ፥ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን? ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ኵሉ እትኸዶ ምሳኻ እየ እሞ፥ ኣይትፍራሕ፤ ኣይትደንግፅ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን?”
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ እቶም ኣሕሉቕ ብማእኸል ሰፈር ሓለፉ፤