1 ከምዙይ ድማ ኾነ፥ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ምስ ሞተ፥ እግዚኣብሄር ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ ኣገልጋሊ ሙሴ፥
ንኢዩ ወዲ ናሜሲን ከዓ ኣብ እስራኤል ክነግስ ቅብኣዮ። ንኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ በዓል ኣቤል ሜሆላ ድማ ኽንዳኻ ነቢይ ክኸውን ቅብኣዮ።
ኢዮሳፍጥ ግና “ብእኡ ጌርና ንእግዚኣብሄር ክንጥይቖስ፥ ነቢይ እግዚኣብሄርዶ ኣብዙይ የለን እዩ?” በለ። ሽዑ ሓደ ኻብ ሓሻኽር ንጉስ እስራኤል “እቲ ናብ ኢድ ኤልያስ ማይ ዘፍስስ ዝነበረ ኤልሳዕ ወዲ ሳፋጥ እባ ኣብዙይ ኣሎ” ኢሉ መለሰ።
ኵሎም እቶም ካብ ምርኮ ዝተመለሱ ህዝቢ ኸዓ ዳሳት ሰሪሖም፥ ኣብ ዳስ ተቐመጡ። ካብ ዘመን ኢያሱ ወዲ ነዌ ጀሚሮም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ደቂ እስራኤል ከምዙይ ገይሮም ኣብዒሎም ኣይፈልጡን ነበሩ እሞ ዓብዪ ሓጐስ ኮነ።
ሙሴን ኣገልጋሊኡ ኢያሱን ተልዓሉ፤ ሙሴ ድማ ናብ እምባ እግዚኣብሄር ደየበ።
ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኣገልጋሊ ሙሴ ዝነበረ ኢያሱ ወዲ ነዌ ኸዓ፥ “ጐይታይ ሙሴ፥ ከልክሎም” ኢሉ ተዛረበ።
ምስ ባርያይ ሙሴ ግና ኸምዙይ ኣይኮነን፤ ንሱ ኣብ ኵሉ ቤተይ እሙን እዩ።
ስም እቶም ነታ ምድሪ ኽስልይዋ ሙሴ ዝሰደዶም ሰባት እዙይ እዩ። ሙሴ ንኣውሴ ወዲ ነዌ፥ ኢያሱ ኢሉ ሰመዮ።
ካብ ነገድ ኤፍሬም፥ ኢያሱ ወዲ ነዌ፥
ብውሑድ እሙን ዝኾነ፥ ብብዙሕውን እሙን እዩ፤ እቲ ብውሑድ ዝዕምፅ ድማ፥ ብብዙሕውን ዓማፂ እዩ።
ኣቦታትና ምስ ተቐበልዋ ኸዓ፥ ብኢያሱ ተመሪሖም፥ ናብታ እግዚኣብሄር ንኣህዛብ፥ ካብ ገፅ ኣቦታትና ኣሳጒጉ ዘውረሶም ሃገር ኣእተውዋ፤ ክሳዕ ዘመን ዳዊትውን ኣብኡ ፀንሐት።
ሃዋርያ ክኸውን ካብ ዝተፀውዐን፥ ንወንጌል እግዚኣብሄር ዝተፈለየን፥ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ፥ ካብ ጳውሎስ ዝተፅሓፈት መልእኽቲ።
እቲ ኣብ ቅድሜኻ ዝቐውም ኢያሱ ወዲ ነዌ ግና ኽኣትዋ እዩ። ንሱ ነታ ምድሪ ንእስራኤል ከውርሶም እዩ እሞ ኣተባብዓዮ።
እግዚኣብሄር ድማ ንኢያሱ ወዲ ነዌ፥ “ንስኻ ኢኻ ንደቂ እስራኤል ናብታ ዝመሓልኩሎም እተእትዎም እሞ ፅኑዕን ተባዕን ኩን፤ ኣነውን ምሳኻ ክኸውን እየ” ኢሉ ኣዘዞ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቀቅድሜኹም ክሳገር እዩ፤ ንሱ ነዞም ኣህዛብ እዚኣቶም ካብ ቅድሜኹም ከጥፍኦም እዩ። ንስኻትኩምውን ምድሮም ክትወርሱ ኢኹም። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸዓ ኢያሱ ኽመርሐኩም እዩ።
እቲ ናይ እግዚኣብሄር ሰብ ዝኾነ ሙሴ፥ ቅድሚ ሞቱ ንደቂ እስራኤል ከምዙይ ኢሉ ባረኾም፦
ከምቲ ሙሴ ኣብ ቅድሚ እስራኤል ዝገበሮ፥ ዓብዪ ሓይልን ዘፍርሕ ነገርን ዝገበረ የለን።
ባርያ እግዚኣብሄር ሙሴ፥ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኣብ ምድሪ ሞኣብ ሞተ።
ንኢያሱ ወዲ ነዌ ድማ፥ ሙሴ ኢዱ ስለ ዘንበረሉ፥ መንፈስ ጥበብ መልኦ። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ ንሙሴ ዝተኣዘዝዎ ገይሮም ተኣዘዝዎ፤ ነቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ትእዛዛት ከዓ ሓለውዎ።
ኣገልጋሊ እግዚኣብሄርን፥ ሃዋርያ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ናይቶም ሕሩያት ኣምላኽ ንእምነት ክሃንፅ፥ ነቲ ናብ ቅድስና ዘብፅሕ፥ ፍልጠት ሓቂ ኽሰብኽ ካብ ዝተፀውዐ ጳውሎስ።
ካብቲ ናይ እግዚኣብሄርን፥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ኣገልጋሊ ዝኾነ ያእቆብ፥ ነቶም ተበቲኖም ዘለዉ ዓሰርተ ኽልተ ነገዳት፥ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን።
“ኣገልጋሊየይ ሙሴ ሞይቱ እዩ እሞ፥ ሕዚ ተስእ፤ ንስኻን ኵሉ ህዝቢ እስራኤልን፥ ናብታ ኣነ ዝህበኩም ምድሪ ኽትኣትዉ፥ ንፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገርዎ።
ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴን ደቂ እስራኤልን ነዚኣቶም ሰዓርዎም፤ ኣገልጋሊ እግዚኣብሄር ሙሴ ድማ ነታ ምድሮም፥ ንነገድ ሮቤልን ንነገድ ጋድን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ርስቲ ገይሩ ሃቦም።
እቲ ህያውን ኣነ እየ። ሞይተውን ነበርኩ፤ እንሆ ኸዓ፥ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው እየ፤ መፍትሕ ሞትን ሲኦልንውን ኣለኒ።