Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ትንቢት ዮናስ 4:9 - መፅሓፍ ቅዱስ

9 እግዚኣብሄር ከዓ ንዮናስ “ብሓቂ ብዛዕባ እታ ተኽሊ ሓምሓም ክትቍጣዕዶ ይግብአካ እዩ?” በሎ። ዮናስ ድማ “ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ ይግብአኒ እዩ” በለ።

Ver Capítulo Copiar




ትንቢት ዮናስ 4:9
13 Referencias Cruzadas  

ኣክኣብ ከዓ በቲ ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ “ርስቲ ኣቦታተይስ ኣይህበካን” ኢሉ ተዛሪብዎ ብዝነበረ ቓል ጕህዩን ተቘጢዑን ናብ ገዛኡ ኣተወ። ኣብ ዓራቱ ተገዲሙ ገፁ ተሸፈነ፤ እንጀራውን ኣይበልዐን።


ቍጥዓ ወሪሱካ ኣሎ፤ ንስኻ እንተ ሞትካኸ ምእንታኻ ምድሪ ኽትባድም ድያ? ወይ ከዓ ኣኻውሕ ካብ ስፍራኦም ክንቀሉ ድዮም?”


ኵራ ናብ ፀርፊ ኸይደፋፍአካ ተጠንቀቕ፤ ብዝሒ ጉቦ ኸዓ ኣየጋጊኻ።


ንሰነፍ ሰብ፥ ቍጥዓ ይቐትሎ፤ ንሰነፍ ከዓ ቕንኣት የጥፍኦ።


እዝ ነገር እዙይ ንዮናስ ኣየሐጐሶን፤ የመናውን ተቘጠዐ።


እግዚኣብሄር ከዓ “ንስኻ በታ ዘይደኸምካላን ዘየዕበኻያን፥ ብሓንቲ ለይቲ ዝበቘለት፥ ብሓንቲ ለይቲ ድማ ዝጠፍአት ተኽሊ ሓምሓም ሓዘንካ።


ፀሓይ ምስ በረቐት ድማ፥ እግዚኣብሄር ዘቃፅል ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወ፤ እታ ፀሓይ ከዓ ንዮናስ፥ ርእሱ ኽሳዕ ዝዞሮ ወቕዐቶ። ንሱውን ንባዕሉ ሞት ተመንዩ፥ “ካብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ” በለ።


ሽዑ “ነፍሰይ ብሓዘን ክሳዕ ሞት በፂሓ ኣላሞ፥ ኣብዙይ ፅንሑ፤ ምሳይውን ንቕሑ” በሎም።


ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ምጕሃይ፥ ናብ ድሕነት ዘብፅሕ ንስሃ የስዕብ፤ ኣየናስሕን ከዓ እዩ፤ ጓሂ ዓለም ግና፥ ሞት የስዕብ እዩ።


በተን መዓልቲታት እቲኣተን፥ ሰባት ንሞት ይደልዩዋ፤ ግና ኣይረኽብዋን እዮም፤ ሙማትውን ክምነዩ እዮም፤ ሞት ግና ኻብኣቶም ክሃድም እዩ።


ኵሉ መዓልቲ ብዘረባኣ ምስ ኣትከረቶ፤ ነፍሱ ኽሳዕ ሞት ተጨነቐት።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos