4 እግዚኣብሄር ድማ “ብሱሩ ኽትቍጣዕዶ ይግብአካ እዩ?” በሎ።
እግዚኣብሄር ድማ ንቃየል “ስለ ምንታይ ኰሪኻ? ስለ ምንታይከ ገፅካ ፀለመ?
ኣክኣብ ከዓ በቲ ናቡቴ ኢይዝራኤላዊ “ርስቲ ኣቦታተይስ ኣይህበካን” ኢሉ ተዛሪብዎ ብዝነበረ ቓል ጕህዩን ተቘጢዑን ናብ ገዛኡ ኣተወ። ኣብ ዓራቱ ተገዲሙ ገፁ ተሸፈነ፤ እንጀራውን ኣይበልዐን።
ኵራ ናብ ፀርፊ ኸይደፋፍአካ ተጠንቀቕ፤ ብዝሒ ጉቦ ኸዓ ኣየጋጊኻ።
እዝ ነገር እዙይ ንዮናስ ኣየሐጐሶን፤ የመናውን ተቘጠዐ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ እምበኣርከስ ሕዚ ኻብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ እዩ እሞ፥ እልምነካ ኣለኹ፤ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ።
ዮናስ ከዓ ኻብታ ኸተማ ንወገን ምብራቕ ኣቢሉ ወፀ እሞ፥ ኣብኣ ተቐመጠ፤ ንባዕሉ ድማ ዳስ ገበረ። ነታ ኸተማ ዝወርዳ ኽርኢ ኸዓ ኣብ ትሕቲ ፅላላ ተቐመጠ።
እግዚኣብሄር ከዓ ንዮናስ “ብሓቂ ብዛዕባ እታ ተኽሊ ሓምሓም ክትቍጣዕዶ ይግብአካ እዩ?” በሎ። ዮናስ ድማ “ክሳዕ ሞት ክቝጣዕ ይግብአኒ እዩ” በለ።
“ኣታ ህዝበይ፥ እንታይ ገይረካ እየ? ብምንታይከ ኣድከምኩኻ? እስኪ መስክረለይ።
“ኣብ ማይ መሪባ ኽልቴኹም ንትእዛዘይ ስለ ዝጠሓስኩምዎ፥ ኣሮን ናብቲ ንደቂ እስራኤል ዝሃብክዎም ምድሪ እንተይኣተወ፥ ክመውት እዩ።
ወይ ድማ ብገንዘበይ ዝደለኽዎ ኽገብርዶ ኣይግብአንን እዩ? ወይ ኣነ ለጋስ ስለ ዝኾንኩዶ ዓይንኻ ጠባን እዩ?’ ኢሉ መለሰሉ።