Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ትንቢት ዮናስ 4:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ኦ እግዚኣብሄር፥ እምበኣርከስ ሕዚ ኻብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ እዩ እሞ፥ እልምነካ ኣለኹ፤ ንነፍሰይ ካባይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ።

Ver Capítulo Copiar




ትንቢት ዮናስ 4:3
14 Referencias Cruzadas  

ንሱ ግና ኣብ ምድረ በዳ መንገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፥ ናብ ፅላል ሓንቲ ኽሊዐው መፂኡ ኾፍ በለ፤ ክመውት ድማ ተመነየ። “ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልፅን እየ እሞ፥ ሕዚ ይኣኽለኒ፤ ንነፍሰይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ።


ፅቡቕ ስም ካብ ክቡር ሽቱ ይበልፅ፤ ካብ መዓልቲ ልደትውን መዓልቲ ሞት ይበልፅ።


ቍጥዓ ኣብ ሕቝፊ ዓያሹ እዩ ዝነብርሞ፥ ብነፍስኻ ንቝጥዓ ሽኩል ኣይትኹን።


ኵሎም እቶም ካብዝ ኽፉእ ወለዶ እዙይ ዝተረፉ፥ ኣብቲ ኣነ ዝሰጐጕክዎም ስፍራ ዘለዉ፥ ብህይወት ካብ ምንባር ሙማት ክመርፁ እዮም፤ ይብል እግዚኣብሄር።”


እግዚኣብሄር ድማ “ብሱሩ ኽትቍጣዕዶ ይግብአካ እዩ?” በሎ።


ፀሓይ ምስ በረቐት ድማ፥ እግዚኣብሄር ዘቃፅል ንፋስ ምብራቕ ኣዳለወ፤ እታ ፀሓይ ከዓ ንዮናስ፥ ርእሱ ኽሳዕ ዝዞሮ ወቕዐቶ። ንሱውን ንባዕሉ ሞት ተመንዩ፥ “ካብ ብህይወት ምንባርስ ሙማት ይሕሸኒ” በለ።


ከምዙይ እትገብረኒ ኻብ ኮንካ ነቲ መከራ ኸይርኢ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ ቕተለኒ።”


እቶም ህዝቢ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሎም ተጓየቝዎ፦ “ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክሞቱ እንተለዉ ሞይትና እንተንኸውን መን ምሃበና!


ኣነ ግና፥ ካብዞም መሰላት እዚኣቶም ብሓደኳ ኣይተጠቐምኩን፤ ከምኡ ምእንቲ ክኾነለይ ኢለውን ኣይኮንኩን፥ እዙይ ዝፅሕፍ ዘለኹ። ሓደ ሰብ ነዝ ትምክሕተይ ከንቱ ኻብ ዝገብሮስ፥ ሞት ይሕሸኒ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos