2 ናብ እግዚኣብሄር ድማ “ኦ እግዚኣብሄር፥ እልምነካ ኣለኹ፤ እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ዝተዛረብክዎስ እዙይዶ ኣይኮነን? ለጋስን ርህሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓይን፥ በዓል ዓብዪ ምሕረትን፥ ክፍኣት ካብ ምምፃእ እትናሳሕ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ እየ፥ ኣቐዲመ ናብ ተርሴስ ዝሃደምኩ።
ንሱ ግና ኣብ ምድረ በዳ መንገዲ መዓልቲ ኽይድ ውዒሉ፥ ናብ ፅላል ሓንቲ ኽሊዐው መፂኡ ኾፍ በለ፤ ክመውት ድማ ተመነየ። “ኦ እግዚኣብሄር፥ ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልፅን እየ እሞ፥ ሕዚ ይኣኽለኒ፤ ንነፍሰይ ውሰዳ” ኢሉ ፀለየ።
እግዚኣብሄር መሓርን ይቕረ በሃልን እዩ፤ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ድማ ዝበዝሐ እዩ።
እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ፤ ንቝጥዓ ዝድንጒ ምሕረቱውን ዝበዝሐ እዩ።
ንሱ ግና መሓሪ እዩ፤ ሓጢኣቶም ይቕረ በለሎም፤ ኣየጥፍኦምንውን፤ ንቝጥዓኡ ብዙሕ ጊዜ መለሶ፤ ብዅሉ መዓቱ ድማ ኣየቃፀለን።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መሓርን ርህሩህን ኣምላኽ ኢኻ፤ መዓትካ ዝረሓቐ ምሕረትካን ፅድቅኻን ዝበዝሐ ኢኻ።
ኦ ጐይታ፥ ንስኻ መሓርን ይቕረ በሃልን ኢኻ፤ ምሕረትካውን ንዅሎም ዝፅውዑኻ ብዙሕ እዩ።
ኦ ጐይታ፥ ተመለስ፤ ክሳዕ መኣዝ እዩ? ስለ ባሮትካውን ተማጐት።
እግዚኣብሄር ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽገብሮ ኢሉ ንሙሴ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቝጥዓኡ ተመለሰ።
እታ ሃገር እቲኣ ኻብ ክፍኣታ እንተ ተመለሰት፥ ኣነ ነቲ ‘ክገብሮ እየ’ ኢለ ዝሓሰብክዎ መቕፃዕቲ ኣይገብሮን እየ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ንስኻ ኣታለልካኒ፤ ኣነውን ተታለልኩ፤ ንስኻ ኻባይ በርታዕኻ፥ ኣሸነፍካኒውን፤ ምሉእ መዓልቲ መላገፂ ኾንኩ፤ ኵሎምውን የባጭዉለይ ኣለዉ።
እምበኣር ኣካይዳኹምን ግብርኹምን ኣዐርዩ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኣባኻትኩም ከውርዶ ሃቂኑዎ ዝነበረ መዓት ክሓድጎ እዩ።
‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ እንተ ተቐሚጥኩምስ፥ ክሃንፀኩም እምበር፥ ኣየፍርሰኩምን እየ፤ ክተኽለኩም እምበር፥ ኣይነቕለኩምን እየ። በቲ ዝገበርኩኹም ክፉእ ነገር የመና ተናሲሐ ኣለኹ።
እግዚኣብሄር ድማ በዝ ነገር እዙይ ተናስሐ፤ “እዙይስ ኣይኸውንን እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከዓ በዝ ነገር እዙይ ተናስሐ፤ “እዙይውን ኣይኸውንን እዩ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
ዮናስ ግና ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ክሃድም ናብ ተርሴስ ተልዓለ፤ ናብ ኢዮጴ ኸዓ ወረደ፤ ናብ ተርሴስ እትሓልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሃድም፥ ምስኣቶም ናብ ተርሴስ ክኸይድውን፥ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ።
እግዚኣብሄር ከዓ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ከም ዝተመለሱ ግብሮም ረአየ። እግዚኣብሄርውን ነቲ ኸውርደሎም ኢሉ ተናጊርዎ ዝነበረ ኽፉእ ነገር ተናሲሑ ኣይገበሮን።
እግዚኣብሄር እንተ ተመለሰን እንተ ተናሰሐን፥ ንሕና ኸይንጠፍእ ድማ፥ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመለሰን መን ይፈልጥ?”
ሓጢኣት ዝሓድግ፥ በደል እቶም ዝተረፉ ርስቱ ዝኾኑ ህዝቢ ዘሕልፍ፥ ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ መን እዩ? ምሕረት ይፈቱ እዩሞ፥ ቍጥዓኡውን ንዘለኣለም ኣይዓቍርን።
ንሱ ግና ንባዕሉ ኽመፃደቕ ደልዩ፥ “ብፃየይከ መን እዩ?” በሎ።
እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ርህሩህ ኣምላኽ እዩ እሞ፥ ኣየሓድገኩምን ኣየጥፍአኩምንውን። ነቲ ምስ ኣቦታትኩም ዝኣተዎ፥ ብማሕላ ዘፅንዖ ኺዳን ከዓ ኣይርስዕን እዩ።