9 እግዚኣብሄር እንተ ተመለሰን እንተ ተናሰሐን፥ ንሕና ኸይንጠፍእ ድማ፥ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመለሰን መን ይፈልጥ?”
ንሱ ኸዓ “መን ይፈልጥ እግዚኣብሄር እንተ መሓረኒሞ፥ እቲ ህፃን ድማ እንተ ሓወየ፥ ኢለ ስለ ዝሓሰብኩ፥ እቲ ህፃን ገና ብህይወቱ እንተሎ፥ ፆምኩን በኸኹን።
ምእንትኣቶም ኢሉ ቓል ኪዳኑ ዘከረ፤ ከም ብዝሒ ምሕረቱውን ራህርሀሎም።
ንዅሉ መዓትካ ኣርሓቕካዮ፤ ካብ ቍጥዓ መቕሰፍትኻ ተመለስካ።
ኦ ጐይታ፥ ተመለስ፤ ክሳዕ መኣዝ እዩ? ስለ ባሮትካውን ተማጐት።
እምበኣር ኣካይዳኹምን ግብርኹምን ኣዐርዩ፤ ንቓል እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ድማ ስምዑ። እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ኣባኻትኩም ከውርዶ ሃቂኑዎ ዝነበረ መዓት ክሓድጎ እዩ።
ስለዙይ ኦ ንጉስ፥ ምኽረይ የሐጕስካ። ህድኣት ዘለዎ ነዊሕ ዕድመ ኽትረክብ፥ ሓጢኣትካ ብፅድቂ፥ በደልካ ድማ ንድኻታት ብምምፅዋት ኣወግዶ” በሎ።
ምናልባሽ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፥ ነዝ ተሪፉ ዘሎ ቤት ዮሴፍ እንተ ራህርሀሉስ ክፉእ ፅልኡ፤ ሰናይ ከዓ ፍተዉ፤ ኣብ በሪ ባይቶውን ቅኑዕ ፍረዱ።
ንዮናስ ኣልዒሎም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ እቲ ባሕሪ እውን ካብ ምንዋፁ ሃድአ።
እቲ ሓለቓ መርከብ ከዓ ናብኡ ቐሪቡ “ንምንታይ ትድቅስ? ተስእ፤ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከይንጠፍእ እንተ ዘከረና፥ ስም ኣምላኽካ ፀውዕ” በሎ።
ናብ እግዚኣብሄር ድማ “ኦ እግዚኣብሄር፥ እልምነካ ኣለኹ፤ እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ዝተዛረብክዎስ እዙይዶ ኣይኮነን? ለጋስን ርህሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓይን፥ በዓል ዓብዪ ምሕረትን፥ ክፍኣት ካብ ምምፃእ እትናሳሕ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ እየ፥ ኣቐዲመ ናብ ተርሴስ ዝሃደምኩ።
ኣቱም ፍርዱ እትሕልዉ፥ ኣብ ምድሪ ዘለኹም ኵላትኩም ትሑታት፥ ናብ እግዚኣብሄር ተመለሱ። ምናልባሽ በታ እግዚኣብሄር ቍጥዓኡ ዝገልፀላ መዓልቲ እንተ ተሓባእኹምስ፥ ንእግዚኣብሄር ድለዩ፤ ትሕትናውን ድለዩ፤ ኣብ ቅድሚኡውን ንርእስኹም ኣዋርዱ።
እምበኣርከስ ምስሊ እቲ ሕበጥኩምን ምስሊ እተን ንሃገር ዘጥፍኣ ኣናፁን ግበሩ፤ ንኣምላኽ እስራኤል ከዓ ኽብሪ ሃብዎ፤ ምናልባሽ እቲ ኢዱ ኻብ ልዕሌኹምን፥ ካብ ልዕሊ ኣማልኽትኹምን፥ ካብ ልዕሊ ምድሪኹምን የቕልል ይኸውን።