8 ሰብን እንስሳን ወጮ ይከደኑ፤ ዓው ኢሎም ድማ ናብ እግዚኣብሄር የእውዩ፤ ነፍሲ ወከፎም ከዓ፥ ካብ ክፉእ መንገዱን፥ ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ግፍዕን ይመለስ።
ግና ዓመፃ ኣብ ኢደይ የለን፤ ፀሎተይ ከዓ ንፁህ እዩ።”
ተግሳፁ ንኽሰምዑ ኣእዛኖም ይኸፍተሎም፤ ካብ ሓጢኣቶም ክምለሱውን ይእዝዞም።
“እምበኣር ኣነ ዝመረፅክዎ ፆም እዙይዶ ኣይኮነን፦ ናይ ግፍዒ ሰንሰለት ክትፈትሑ፥ ንማእሰርቲ ኣርዑት ክትፈትሑ፥ ንጭቁናት ሓራ ኽተውፅኡ፥ ንዅሉ ኣርዑት ክትሰብሩዶ ኣይኮነን?
ፈትሎም ክዳን ኣይኸውንን፤ ብግብሮም ኣይሽፈኑን። ግብሮም ግብሪ ኽፍኣት እዩ፤ ኣብ ኣእዳዎም ድማ ግብሪ ዓመፃ ኣሎ።
እምበኣር ሕዚ እውን ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝነብሩን፥ እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል፦ እንሆ ጥፍኣት እናዳለኹልኩም እየ፤ ክቐፅዐኩም ከዓ ኽፉእ እሓስበልኩም ኣለኹሞ፥ ካብ ክፉእ መንገድኹም ተመለሱ፤ መንገድኹምን ግብርኹምን ኣመዓራርዩ።
ንሱውን፦ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻትኩምን ነቦታትኩምን ንዘለኣለመ ኣለም ዝሃባ ምድሪ ምእንቲ ኽትነብሩ፥ ነፍሲ ወከፍኩም ካብ ክፉእ መንገድኹምን፥ ካብ ክፉእ ግብርኹምን ክትምለሱ ነገሩኹም።
ምናልባሽ ሰሚዖም፥ ነፍሲ ወከፎም ካብ ክፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ። እንተ ደኣ ተመሊሶም፥ ኣነውን እቲ ብሰንኪ ኽፉእ ግብሮም ከውርደሎም ኢለ ዝሃቀንክዎ መዓት ከህድእ እየ።”
ምናልባሽ ህዝቢ ይሁዳ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ከውርዶ ሓሲበዮ ዘለኹ ጥፍኣት ምስ ሰምዑ፥ ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ኽፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ። ኣነውን በደሎምን ሓጢኣቶምን ይቕረ ኽብለሎም እየ” በሎ።
ኣነ ህያው እየ፥ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፤ ሓጥእ ካብ መንገዱ ኽምለስ እሞ፥ ብህይወት ክነብር እምበር፥ ብሞት ሓጥእ ባህ ኣይብለንን እዩ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል ስለ ምንታይከ እትሞቱ? ኻብቲ እኩይ መንገድኹም ተመለሱ፤ ተመለሱ፤ በሎም።
ስለዙይ ኦ ንጉስ፥ ምኽረይ የሐጕስካ። ህድኣት ዘለዎ ነዊሕ ዕድመ ኽትረክብ፥ ሓጢኣትካ ብፅድቂ፥ በደልካ ድማ ንድኻታት ብምምፅዋት ኣወግዶ” በሎ።
ፆም ኣውጁ፤ ጉባኤ ፀውዑ፤ ንሽማግለታትን ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅላቶምን፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ተማህለሉ።
ሽዑ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንልምነካ ኣለና፤ ምእንቲ ነፍሲ እዝ ሰብ እዙይ ኣይተጥፍአና፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ዝፈተኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ፥ ንፁህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይኹን” ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤
እቲ ሓለቓ መርከብ ከዓ ናብኡ ቐሪቡ “ንምንታይ ትድቅስ? ተስእ፤ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከይንጠፍእ እንተ ዘከረና፥ ስም ኣምላኽካ ፀውዕ” በሎ።
እምበኣርከስ ንንስሃ ዘብቅዕ ፍረ ኣፍርዩ።
እኳ ደኣ፥ ክንስሁን ናብ እግዚኣብሄር ክምለሱን፥ ከም ዝተነስሁ ዘርኢ ግብሪ ኽገብሩን፥ ቅድም ኣብ ደማስቆ፥ ደሓር ኣብ ኢየሩሳሌምን፥ ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን፥ ከምኡ ኸዓ ንኣህዛብ ወንጌል ሰበኽኩ።
እምበኣር ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኽድምሰሰልኩም፥ ካብ ገፅ እግዚኣብሄርውን፥ ዘመን ምሕዳስ ምእንቲ ኽመፀልኩም፥
ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ፥ ወጮ ተኸዲኖም ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ፥ ሓይሊ ኽህቦም እየ” በለኒ።