7 ኣብ ህዝቢ ነነዌ ኸዓ፥ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን፥ ከምዙይ ዝብል ኣዋጅ ኣወጀ፦ “ሰብ ወይ እንስሳ ሓደኳ ኣይጥዓም። መጓሰ ኸፍቲ ኾነ መጓሰ ኣባጊዕ ዝኾነ ኣይጥዓሙ፤ ኣይውፈሩ፤ ማይውን ኣይስተዩ።
ሽዑ ኢዮሳፍጥ ፈርሐ እሞ ንእግዚኣብሄር ክደሊ ገፁ መለሰ፤ ኣብ ኵሉ ይሁዳውን ፆም ኣወጀ።
ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ኽነዋርድ፥ ንኣናን ንህፃናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅኑዕ መንገዲ ንኽኾነልና፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣሃዋ ፆም ኣወጅኩ።
እንስሳታት ዓዕ ይብሉ፤ እተን መጓሰ ኸፍቲ፥ ዝጓሰያሉ ስለ ዝሰኣና ተጨነቓ፤ መጓሰ ኣባጊዕ ድማ ጠፍኣ።
ሰብ ነነዌ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣመኑ፤ ፆም ድማ ኣወጁ፤ ኵሎም ሰባትውን ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ኣናእሽቶም ወጮ ተኸደኑ።