Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ትንቢት ዮናስ 3:6 - መፅሓፍ ቅዱስ

6 እዝ ወረ እዙይ ናብ ንጉስ ነነዌ በፅሐ፤ ንሱ ድማ ኻብ ዙፋኑ ተሲኡ፥ ልብሲ መንግስቱ ቐንጠጠ፤ ወጮ ተኸዲኑውን ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ።

Ver Capítulo Copiar




ትንቢት ዮናስ 3:6
20 Referencias Cruzadas  

ኣክኣብ ዘረባ ኤልያስ ምስ ሰምዐ፥ ክዳውንቱ ቐደደ፤ ወጮ ተኸዲኑ ፆመ፤ ኣብ ወጮ ድማ ደቀሰ፤ ጕህዩን ሓዚኑን ቀስ ኢሉ ይኸይድ ነበረ።


ኢዮብ ድማ ዝሓከሉ ገልዒ ሒዙ ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐመጠ።


ስለዙይ ንርእሰይ እንዕቓ ኣለኹ፤ ኣብ ሓመድን ሓሙዅሽትን ኮይነ እንሳሕ ኣለኹ።”


ፈቖዶ መንገድታቶምውን ወጮ ተዓጢቖም ኣብ ናሕስታቶምን ኣብ ኣደባባያቶምውን፥ የመና ንብዓት እናፍሰሱ ዅሎም በኽዮም እዮም።


ንንጉስን ንወላዲት ንጉስን፥ “እቲ ዘውዲ ኽብርኹም ካብ ርእስኹም ወዲቑ እዩ እሞ፥ ‘ትሕት ኢልኩም ተቐመጡ’ ” ኢልካ ንገሮም።


ሚክያስ ከዓ ባሮክ፥ ነቶም ህዝቢ ኻብቲ መፅሓፍ ከንብበሎም እንተሎ ዝሰምዖ ዅሉ ቓላት ንኣኣቶም ነገሮም።


እቶም ነቲ ቓላት ዝሰምዑ ንጉስ ኮነ ባሮቱ ግና ኣይደንገፁን፥ ብሓዘን እውን ክዳውንቶም ኣይቀደዱን።


“ኣቲ ጓል ህዝበይ፥ እቲ መጥፍኢ ብድንገት ክመፀና እዩ እሞ ኸሊ ተኸደኒ፤ ኣብ ሓሙዅሽቲ ፈፈው በሊ፤ ንሓደ ወዳ ኸም እትሓዝን ሕዘኒ፤ መሪር ብኽያትውን ብኸዪ።


ዮድ። እቶም ናይ ጓል ፅዮን ኣረጋውያን፥ ፀጥ ኢሎም ኣብ ምድሪ ተቐሚጦም ኣለዉ፤ ኣብ ኣራእሶም ሓመድ ነስነሱ፤ ወጮውን ተኸደኑ፤ ጐርዞታት ኢየሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድነና።


ገና ተስፋ ዝኾኖ እንተ ኾይኑ፥ ኣፉ ኣብ ውሽጢ ሓመድ የንብር።


ሽዑ ዅላቶም ኣሕሉቕ ባሕሪ፥ ካብ ዝፋናቶም ክወርዱ፥ ባርኖሶም ክቕንጥጡ፥ ጥሉፍ ኣልባሶም ክድርብዩ፥ ስምባደ ክኽደኑ፥ ኣብ ምድሪ ኽቕመጡ፥ ኵሉ ጊዜ ፈጥፈጥ ክብሉ፥ ብኣኺውን ክስክሑ እዮም።


ወጮ ተኸዲነ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሙዅሽቲ ኾይነ፥ ብፆምን ብፀሎትን ብምህለላን፥ ገፀይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቕናዕኹ።


ኣብ ጌት ኣይተውርይዎ፤ ኣብ ልዕሊ ኣኮ ብኽያት ኣይትብከዩ። ኣብ ቤት ኦፍራ ግና ኣብ ሓመድ ተንከባለሉ።


“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እዝ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ቀደም ወጮ ተኸዲነን ሓመዅሽቲ ነስኒሰን፥ ምተነስሃ ነይረን።


“ወይለኺ ኮራዚን! ወይለኺ ቤተ ሳይዳ! እቲ ኣባኻትክን ዝተገብረ ተኣምራት፥ ኣብ ጢሮስን ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዝኸውንስ፥ ወጮ ተኸዲነን፥ ኣብ ሓሙዅሽቲ ተቐሚጠን፥ ቀደም ምተነስሃ ነይረን።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos