5 ሰብ ነነዌ ኸዓ ንእግዚኣብሄር ኣመኑ፤ ፆም ድማ ኣወጁ፤ ኵሎም ሰባትውን ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ኣናእሽቶም ወጮ ተኸደኑ።
ንጉስ ሕዝቅያስ እዙይ ምስ ሰምዐ፥ ክዳኑ ቐዲዱ፥ ወጮ ተኸዲኑ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣተወ።
ሽዑ ኢዮሳፍጥ ፈርሐ እሞ ንእግዚኣብሄር ክደሊ ገፁ መለሰ፤ ኣብ ኵሉ ይሁዳውን ፆም ኣወጀ።
ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ርእስና ኽነዋርድ፥ ንኣናን ንህፃናትናን ንዅሉ ጥሪትናን ቅኑዕ መንገዲ ንኽኾነልና፥ ኣብ ጥቓ ሩባ ኣሃዋ ፆም ኣወጅኩ።
መርዶክዮስ ከዓ እቲ ዝተገብረ ዅሉ ነገር ምስ ፈለጠ፥ ብሓዘን ክዳኑ ቐዲዱ ወጮ ተኸደነ፤ ኣብ ርእሱውን ሓሙዅሽቲ ነስነሰ፤ ናብ ማእኸል እታ ኸተማ ወፂኡ ድማ፥ ብርቱዕን መሪርን ኣውያት ኣእወየ።
ስለዙይ ደቂ እስራኤል ካብ እምባ ኮሬብ ንነዘው ሽልማቶም ኣወገዱ።
ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ፥ ኵላቶም ክፈልጡኒ እዮም እሞ፥ ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ፥ ነፍሲ ወከፍውን ንሓዉ ‘ንእግዚኣብሄር ፍለጦ’ ኢሎም ኣይምህሩን፤ ድሕሪዙይ ንስንሳቶም ኣይመሃሃሩን እዮም። ኣነ ኸዓ በደሎም ይቕረ ኽብለሎም፥ ሓጢኣቶም ድማ ድሕሪዙይ ኣይዝክርን እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ከምዙይ ድማ ኾነ፦ ኢዮኣቄም ወዲ ኢዮስያስ፥ ኣብ ይሁዳ ምስ ነገሰ፥ ኣብ ሓምሻይ ዓመቱ ብታሽዐይቲ ወርሒ፥ ኵላቶም እቶም ኣብ ኢየሩሳሌም ዝተቐመጡ ህዝብን፥ ኵላቶም እቶም ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ኢየሩሳሌም ዝመፁ ህዝብን፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፆም ክፆሙ ኣወጁ።
ሽዑ ዅሎም ኣሕሉቕ ሰራዊትን፥ ዮሃናን ወዲ ቃሬያን ይዘንያ ወዲ ሆሻያን፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ እውን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ቐረቡ፤
ንሱ ኸዓ ንዮሃናን ወዲ ቃሬያን፥ ነቶም ምስኡ ዝነብሩ ዅሎም ኣዘዝቲ ሰራዊትን፥ ንዅሎም እቶም ህዝብን፥ ካብ ንእሽተይ ክሳዕ ዓብዪ ፀዊዑ
ወጮ ተኸዲነ፥ ኣብ ልዕሊ ሓሙዅሽቲ ኾይነ፥ ብፆምን ብፀሎትን ብምህለላን፥ ገፀይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቕናዕኹ።
ፆም ኣውጁ፤ ጉባኤ ፀውዑ፤ ንሽማግለታትን ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅላቶምን፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ተማህለሉ።
ኣብ ህዝቢ ነነዌ ኸዓ፥ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን፥ ከምዙይ ዝብል ኣዋጅ ኣወጀ፦ “ሰብ ወይ እንስሳ ሓደኳ ኣይጥዓም። መጓሰ ኸፍቲ ኾነ መጓሰ ኣባጊዕ ዝኾነ ኣይጥዓሙ፤ ኣይውፈሩ፤ ማይውን ኣይስተዩ።
ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ፥ ነዛ ትውልዲ እዚኣ ተሲኦም ክዅንንዋ እዮም። እምበኣር ካብ ዮናስ ዝዓቢ ኣብዙይ ኣሎ።
ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኦም፥ ክዅንንዎ እዮም። ካብ ዮናስ ዝዓቢ ግና፥ እንሆ ኣብዙይ ኣሎ።
ሕዚ እውን ኣቱም ሰባት ኣይዞኹም፤ ኣነ ኸዓ ኸምቲ ንሱ ዝነገረኒ ኸም ዝኸውን፥ ንእግዚኣብሄር እኣምኖ እየ።
ካብ ኣናእሽቶም ክሳዕ ዓበይቶም ኵላቶም “ዓብዪ ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ እዙይ እዩ” እናበሉ የዳምፅዎ ነበሩ።
እምነት፥ ነቲ ብተስፋ እንፅበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዘረጋግፅ፥ ነቲ ዘይረአ ነገር ከዓ፥ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ።
ኖህውን ብዛዕባ እቲ ገና ዘይተርኣየ ነገራት ተረዲኡ፥ ብፍርሓት እግዚኣብሄር፥ ቤተሰቡ ዝድሕኑላ መርከብ ብእምነት ሰርሐ። በዙይ ከዓ ንዓለም ኰነና፤ ነታ ብእምነት እትርከብ ፅድቂ እውን ወረሳ።
ነቶም ክልተ መሰኻኽረይ፥ ወጮ ተኸዲኖም ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኽንበዩ፥ ሓይሊ ኽህቦም እየ” በለኒ።