3 ዮናስ ድማ ኸምቲ ቓል እግዚኣብሄር፥ ተሲኡ ናብ ነነዌ ኸደ። ነነዌ ግና መንገዲ ሰለስተ መዓልቲ እትወስድ፥ የመና ዓባይ ከተማ ነበረት።
ንፅባሒቱ ድማ ኣብርሃም ኣንጊሁ ተሲኡ ኣድጉ ፀዓነ። ክልተ ኣገልገልቱን ወዱ ይስሓቅን ከዓ ምስኡ ወሰደ። ንመስዋእቲ ዝኸውን ዕንፀይቲ ፈሊፁ፥ ናብቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ቦታ ኸደ።
ሽዑ ራሄል “ብርቱዕ ቓልሲ ምስ ሓፍተይ ተቓለስኩ እሞ ሰዓርኩ” በለት፤ “ንፍታሌም” ኢላ ድማ ሰመየቶ።
ፅድቅኻ ኸም እምባታት እግዚኣብሄር እዩ፤ ፍርድኻውን እምብዛ ዓሚቝ እዩ፤ ኦ ጐይታ፥ ንሰብን ንእንስሳን እተድሕኖም ንስኻ ኢኻ።
ፅላላ ንእምባታት ከደነ፤ ጨናፍራ ድማ ኸም ዝግባ እግዚኣብሄር ኮኑ።
ሰናክሬም ንጉስ ኣሶር ድማ፥ ስፍራኡ ሓዲጉ ኸደ፤ ናብ ነነዌ ተመሊሱ ኸዓ ተቐመጠ።
ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፥ የማኖም ካብ ፀጋሞም ክፈልዩ ዘይኽእሉ፥ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዝበዝሑ ሰባትን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋ ኽርህርሀላዶ ኣይግብአንን?” በሎ።
ሉቃስ በይኑ እዩ ምሳይ ዘሎ። ማርቆስ ንኣገልግሎት ስለ ዝጠቕመኒ፥ ክትመፅእ እንተለኻ ምሳኻ ተማልኣዮ።