10 እግዚኣብሄር ከዓ፥ ካብ ክፉእ መንገዶም ከም ዝተመለሱ ግብሮም ረአየ። እግዚኣብሄርውን ነቲ ኸውርደሎም ኢሉ ተናጊርዎ ዝነበረ ኽፉእ ነገር ተናሲሑ ኣይገበሮን።
ኣምላኽ ንኢየሩሳሌም ከጥፍኣ መልኣኽ ሰደደ፤ እቲ መልኣኽ ከጥፍኣ እንተሎ ሪኡ ኸዓ በቲ ዝወረደ ሓዚኑ ኣናሕሰየላ፤ ነቲ ዘጥፍእ መልኣኽ “ይኣክል! ኢድካ መልስ” በሎ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከዓ ኣብ ጥቓ ዓውዲ ኦርና ኢያቡሳዊ ደው ኢሉ ነበረ።
እግዚኣብሄር ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኽገብሮ ኢሉ ንሙሴ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቝጥዓኡ ተመለሰ።
ሓጢኣቱ ዝሓብእ ሰብ ኣይቃነዐሉን፤ እቲ ዝናሳሕ እሞ ዝሓድጎ ግና ምሕረት ይረክብ።
እግዚኣብሄር ግና ምእንቲ ኽምሕረኩም ይዕገስ ኣሎ፤ ክርህርሀልኩምውን ክለዓል እዩ። እግዚኣብሄር ናይ ፍትሒ ኣምላኽ እዩሞ፥ ንእኡ ተኣማሚኖም ዝፅበይዎ ብፁኣን እዮም።
ንሓደ ህዝቢ ወይ መንግስቲ ‘ክነቕሎን ከፍርሶን ከጥፍኦን እየ’ ኢለ እንተ ተዛረብኩ እሞ፥
እታ ሃገር እቲኣ ኻብ ክፍኣታ እንተ ተመለሰት፥ ኣነ ነቲ ‘ክገብሮ እየ’ ኢለ ዝሓሰብክዎ መቕፃዕቲ ኣይገብሮን እየ።
ምናልባሽ ህዝቢ ይሁዳ፥ ነቲ ዅሉ ኣብ ልዕሊኣቶም ከውርዶ ሓሲበዮ ዘለኹ ጥፍኣት ምስ ሰምዑ፥ ነፍሲ ወከፎም ካብቲ ኽፉእ መንገዶም ይምለሱ ይኾኑ። ኣነውን በደሎምን ሓጢኣቶምን ይቕረ ኽብለሎም እየ” በሎ።
‘ኣብዛ ሃገር እዚኣ እንተ ተቐሚጥኩምስ፥ ክሃንፀኩም እምበር፥ ኣየፍርሰኩምን እየ፤ ክተኽለኩም እምበር፥ ኣይነቕለኩምን እየ። በቲ ዝገበርኩኹም ክፉእ ነገር የመና ተናሲሐ ኣለኹ።
ንሱ ለዋህን፥ ርሕሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓዪ፥ ምሕረቱ ዝበዝሐ፥ ክፉእ ነገር ካብ ምምፃእ ዝናሳሕ እዩሞ፥ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ደኣ ቕደዱ፤ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩምውን ተመለሱ።
እግዚኣብሄር ድማ በዝ ነገር እዙይ ተናስሐ፤ “እዙይስ ኣይኸውንን እዩ” ይብል እግዚኣብሄር።
እግዚኣብሄር ከዓ በዝ ነገር እዙይ ተናስሐ፤ “እዙይውን ኣይኸውንን እዩ” ይብል ጐይታ እግዚኣብሄር።
ኣነኸ ነታ ዓባይ ከተማ ነነዌ፥ የማኖም ካብ ፀጋሞም ክፈልዩ ዘይኽእሉ፥ ካብ ሚእትን ዕስራን ሽሕ ዝበዝሑ ሰባትን ብዙሓት እንስሳን ዘለውዋ ኽርህርሀላዶ ኣይግብአንን?” በሎ።
ናብ እግዚኣብሄር ድማ “ኦ እግዚኣብሄር፥ እልምነካ ኣለኹ፤ እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ዝተዛረብክዎስ እዙይዶ ኣይኮነን? ለጋስን ርህሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓይን፥ በዓል ዓብዪ ምሕረትን፥ ክፍኣት ካብ ምምፃእ እትናሳሕ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ እየ፥ ኣቐዲመ ናብ ተርሴስ ዝሃደምኩ።
ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኦም፥ ክዅንንዎ እዮም። ካብ ዮናስ ዝዓቢ ግና፥ እንሆ ኣብዙይ ኣሎ።
ተሲኡ ድማ ናብ ኣቦኡ ተመለሰ፤ ኣቦኡ ኸዓ፥ ገና ኣብ ርሑቕ እንተሎ ረአዮ እሞ ራህርሀሉ፤ ጐይዩ ድማ ኽሳዱ ሓቝፉ ሰዓሞ።