1-2 ንኻልኣይ ጊዜ ኸዓ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዮናስ መፀ፦ “ተስእ፤ ናብ ነነዌ፥ ናብታ ዓባይ ከተማ ኺድ፤ ኣነ ዝነግረካ ስብከት ስበኸላ” በሎ።
እቶም ቅድመይን ቅድሜኻን ካብ ጥንቲ ዝተስኡ ነቢያት፥ ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ኣብ ዓበይቲ መንግስታትን ውግእን መዓትን መቕሰፍትን ከም ዝመፅእ ተነበዩ።
ኣንበሳ ጓዚሙኸ ዘይፈርሕ መን እዩ? ጐይታ እግዚኣብሄር ተዛሪቡኸ ዘይንበ መን እዩ?
ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዮናስ ወዲ ኣማቴ መፀ፦ “ተስእ፤ ናብታ ዓባይ ከተማ ናብ ነነዌ ኺድ፤ ክፍኣታ ኣብ ቅድመይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኣ ስበኽ።”
ሽዑ እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፤ ንሱውን ንዮናስ ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ተፍኦ።