9 ኣነ ግና ብምስጋና ቓል፥ መስዋእቲ ኽስውአልካ እየ፤ ነቲ ዝተመባፃዕኽዎ ኸዓ ኽህብ እየ፤ ድሕነት ካብ እግዚኣብሄር እዩ።”
ንዑናይ ናብ ቤቴል ንደይብ፤ ኣነ ኸዓ ኣብኣ ነቲ ብመዓልቲ መከራይ ዝሰምዐንን፥ ኣብ ዝኸድክዎ መንገዲ ምሳይ ንዝነበረ ንእግዚኣብሄር፥ መሰውኢ ኽሰርሕ እየ” በሎም።
ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ኣቤሴሎም ንንጉስ ዳዊት “እቲ ንእግዚኣብሄር ዝተመባፃዕኹሉ መብፅዓ ኣብ ኬብሮን ክፍፅም ክኸይድ ክትፈቕደለይ እልምነካ ኣለኹ።
ናብኡ ክትፅሊ ኢኻ፤ ንሱውን ክሰምዐካ እዩ፤ መብፅዓኻውን ክትህብ ኢኻ።
መስዋእቲ ምስጋና ይሰውኡሉ፤ ግብሩ ድማ ብሓጐስ ይንገሩ።
እግዚኣብሄር ብርሃነይን መድሓኒተይን እዩ፤ ዘፍርሐኒ ደኣ መን እዩ? እግዚኣብሄር ንህይወተይ መተኣማመመኒኣ እዩ፤ ዘደንግፀኒኸ መን እዩ?
ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፤ በረኸትካውን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ እዩ።
ንኣምላኽ፥ መስዋእቲ ምስጋና ሰውእ፤ ንልዑልውን መብፅዓኻ ሃብ።
መስዋእቲ ምስጋና ዝስውአለይ የኽብረኒ፤ ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ምድሓን፥ ንእኡ ዘርእየሉ መንገዲ ኣብኡ ኣሎ።
ኣምላኽና ኣምላኽ ምድሓን እዩ፤ ካብ ሞት ምድሓንውን ካብ እግዚኣብሄር እዩ።
ብምስጋና ኣብ ቅድሚኡ ንብፃሕ፤ ብመዝሙር ንእኡ ዕልል ንበል።
ንእስራኤል ግና ብዘለኣለማዊ ምድሓን እግዚኣብሄር ከድሕኖ እዩ፤ ንስኻትኩምውን ንዘለኣለም ኣይትሓፍሩን፥ ኣይትዋረዱን ኢኹም።”
ድምፂ ሓጐስን ዕልልታን ድምፂ መርዓውን መርዓትን፥ ከምኡውን እግዚኣብሄር ሕያዋይ እዩ፤ ምሕረቱውን ንዘለኣለም እዩሞ፥ ንጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር ኣመስግንዎ ዝብሉ መስዋእቲ ምስጋና ሒዞም ናብ ቤት እግዚኣብሄር ናይ ዝመፁ ሰባት ድምፂ ኽስማዕ እዩ። ንምርኮ ምድሪ ኸዓ ኸምቲ ቐደም ዝነበሮ ገይረ ኽመልስ እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ምሳኻትኩም ቃል ውሰዱ፤ ናብ እግዚኣብሄርውን ተመለሱ፤ ከምዙይ ድማ በልዎ፤ “ኵሉ ሓጢኣትና ይቕረ በለልና፤ ብምሕረትካውን ተቐበለና፤ ንሕና ኸዓ ኽንዲ ጣዕዋ፥ ፍረ ኸናፍርና ኽነቕርበልካ ኢና።
ንስኻትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ፤ ንሕና ግና ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ፥ ንእንፈልጦ ኢና እንሰግድ።
ብእኡ ኽንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፥ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፥ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።”
እምበኣር ኣሕዋተይ፥ ሰብነትኩም ህያውን ቅዱስን ንእግዚኣብሄር ዘሐጕስን፥ መስዋእቲ ጌርኩም ክተቕርብዎ፥ ብምሕረት እግዚኣብሄር እልምነኩም ኣለኹ፤ እዙይ ድማ እቲ ግቡእ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።
ክልቲኦም ብእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ፅዩፋት እዮም እሞ፥ መብፅዓኹም ዓስቢ ኣመንዝራ ሰበይትን ዋጋ ኸልብን ከም መብፅዓ፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣይተእትዉ።
እምበኣርከስ ኵልሻዕ ንእግዚኣብሄር፥ መስዋእቲ ምስጋና ብኢየሱስ ነቕርብ፤ እዙይ ከዓ፥ ናይተን ንስሙ ዝምስክራ ፍረ ኸናፍርና እዩ።
ብዓብዪ ድምፂ ኸዓ፥ “ምድሓን፥ ናይቲ ኣብ ዙፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን፥ ናይቲ በጊዕን እዩ” እናበሉ፥ ድምፂ ኣስምዑ።
እቶም ዘይጠቕሙን ዘየድሕኑን ኣማልኽቲ፥ ከንቱ ስለ ዝኾኑ፥ ምስዓቦምውን ከንቱ እዩ እሞ፤ ኣይትስዓብዎም።