6 ናብ መሰረት እምባታት ወረድኩ፤ ኣብ ምድርን ኣብ መወርወሪታታን ንዘለኣለም ተዓፆኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ንስኻ ግና ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውፃእኻያ።
ራህሪሁሉውን ‘ቤዛ ተረኺቡሉ እዩ እሞ፥ ናብ መቓብር ካብ ምውራድ ኣድሕኖ’ እንተ ዝብሎ፥
ብመዓሙቕ ከም ክዳን ከደንካያ፤ ማያት ኣብ ልዕሊ እምባታት ይቖሙ፤
ናብ እምባታት ይድይቡ፤ ናብቲ ዘዳሎኻሎም ስፍራ ናብ ቈላታት ይወርዱ።
ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ሕማም ሲኦልውን ረኸበኒ፤ ጭንቀትን መከራንውን ረኸበኒ።
ኦ ጐይታ፥ መንፈሰይ ሃሊቓ እያሞ፥ ቀልጢፍካ ስምዐኒ፤ ከምቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ኸይከውን፥ ገፅካ ኻባይ ኣይትኸውል።
ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይተሓድጋን ኢኻሞ፥ ንቕዱስካውን ምብስባስ ክርኢ ኣይተሓድጎን ኢኻ።
ፃዕሪ ሲኦል ከበበኒ፤ መፈንጠር ሞት ኣርከበኒ።
ኦ ጐይታ፥ ንነፍሰይ ካብ ሲኦል ኣውፃእኻያ፤ ናብ ጕድጓድ ከይወርድውን ኣድሓንካኒ።
“ኣነ ናብ ጥፍኣት እንተ ወረድኩ፥ ብደመይ እንታይ ረብሓ ኣሎ? ሓመድከ የመስግነካዶ? ንሓቅኻኸ ይነግርዶ?
ንስኻ ግና፥ ኦ ጐይታ፥ ናብ ጕድጓድ ሞት ተውርዶም ኢኻ፤ ናይ ደም ሰባትን ጠበርትን ፍርቂ ዕድመኣቶም ኣይነብሩሉን፤ ኣነ ግና ኣባኻ እእመን ኣለኹ።
ንእምባታት ብሓይልኻ ኣፅናዕኻዮም፤ ሓይሊውን ተዓጠቕካ።
ናብ ዓሚቝ ረግረግ ጠለቕኩ፤ መቖሚውን የብለይን፤ ኣብ መዓሙቕ ባሕሪ በፃሕኹ፤ ማዕበልውን ኣስጠመኒ።
ኣነ “ኣብ ማእኸል መዋእል ህይወተይ እንተለኹ፥ ናብ ደገታት ሲኦል ክኸይድ ድየ? ነተን ዝተረፋ ዓመታተይ ክስእን ድየ?” በልኩ።
እንሆ፥ እዝ ዓብዪ ጭንቂ እዙይ ንሰላመይ ኮነ፤ ንነፍሰይ ኣፍቂርካ፥ ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ፤ ንስኻ ንዅሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሬኻ ደርበኻዮ።
ንማያት ብሕፍኑ ዝሰፈረ፥ ንሰማያት ከዓ ብስድሩ ዝለክዐ መን እዩ? ንሓመድ ምድሪ ብመስፈሪ ኣኪቡ ዝሓዘ፥ ንእምባታት ብሚዛን፥ ንዀረብታታት ድማ ብሚዛናት ዝመዘነኸ መን እዩ?
ሽዑ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ፥ ናይ ጥንቲ ህዝቢ፥ ከውርደኪ እየ፤ ኣባኺ ዝነብር ከይህሉስ፥ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ፤ ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ፥ ህያዋን ክገብር እየ።
እተን ኣብ ማይ ዝተተኽላ ኣእዋም፥ ብቑመተን ከይዕበያን፥ ጫፈን ኣብ ማእኸል ዕሙር ጨናፍር ከየልዕላን፥ ኵላቶም ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ፥ ንመዓሙቝ ምድሪ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፥ እተን ማያት ዝሰትያ ዅላተን ሓያላት፥ ብትዕቢት ከይቖማስ እዙይ ኮነ።”
እምባታት ምስ ረኣዩኻ ኣንቀጥቀጡ፤ ሞገድ ማያት ሓለፈ፤ ቃላይውን ድምፁ ሃበ፤ ኢዱ ኸዓ ንላዕሊ ኣልዓለ።
ደው በለ፥ ንምድሪ እውን ሃወኸ፤ ጠመተ፥ ንኣህዛብውን ኣናወፆም፤ እቶም ናይ ጥንቲ እምባታት ተንቀጥቀጡ፤ እቶም ጥንታውያን ኰረብታታትውን መኸኹ፤ መንገዱ ኸዓ ኻብ ዘለኣለም እዩ።
“ኣነ ኸዓ እብለካ ኣለኹ፤ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ፤ ኣብ ልዕሊ እዝ ኰዅሒ እዙይ ድማ፥ ንቤተ ክርስቲያነይ ክሓንፃ እየ፤ በርታት ሲኦልውን ኣይሕይልዋን እዮም።
ብቝጥዓይ ሓዊ ነዲዱ እዩ እሞ፥ ክሳዕ ታሕተዋይ ሲኦል ክነድድ እዩ፤ ንምድሪ ምስ ፍሪኣ ኽበልዓ እዩ፤ መሰረታት እምባ ድማ ኸቃፅል እዩ።”