4 ኣነ ኸዓ፥ ‘ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጕኩ፤ ግና ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ’ በልኩ።
ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ፀላእቶም እንተለዉ ብዅሉ ልቦምን ብዅሉ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመለሱ፥ ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሃነፅክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም እንተ ፀለዩ፥
ሽዑ ኣነ ንህዝቢ እስራኤል ካብዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኸጥፍኦም እየ፤ ነዛ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤተ መቕደስ ከዓ ኻብ ቅድሚ ገፀይ ክድርብያ እየ፤ እስራኤልውን ኣብ ኵሎም ህዝብታት መመሰልን መተረትን ክትከውን እያ።
ኣብ ሃገር እቶም ዝማረኽዎም ፀላእቶም እንተለዉ ብምሉእ ልቦምን ብምሉእ ነፍሶምን ናባኻ እንተ ተመለሱ፥ ናብዛ ነቦታቶም ዝሃብካዮም ምድሪ፥ ናብዛ ዝሓረኻያ ኸተማን ናብዛ ንስምካ ዝሰራሕክዋ ቤተ መቕደስን ገፆም መሊሶም እንተ ፀለዩ፥
ኣነስ ብድንጋፀ “ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ተደርበኹ” በልኩ፤ ናባኻ ምስ ኣእዌኹ ግና ንቓል ልመናይ ሰማዕኻኒ።
እግዚኣብሄር ብመዓልቲ ምሕረቱ ይእዝዝ፤ ብለይቲ ድማ እቲ ዝማሬኡ ምሳይ ይኸውን፤ መብፅዓይ ናብ ኣምላኽ ህይወተይ እዩ።
ኣነ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ ናብ ቤትካ ኽኣቱ እየ፤ ንኣኻ ብምፍራሕ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ እሰግድ ኣለኹ።
ኣብ ፀልማትን፥ ኣብ ፅላሎት ሞትን፥ ኣብ ታሕተዋይ ጕድጓድ ኣንበርካኒ።
ቍጥዓኻ ኣብ ልዕለይ ፀንዐ፤ ኵሉ መቕሰፍትኻውን ኣብ ልዕለይ ኣምፃእኻ።
እንሆ፥ እዝ ዓብዪ ጭንቂ እዙይ ንሰላመይ ኮነ፤ ንነፍሰይ ኣፍቂርካ፥ ካብ ጕድጓድ ጥፍኣት ኣናገፍካያ፤ ንስኻ ንዅሉ ሓጢኣተይ ናብ ድሕሬኻ ደርበኻዮ።
ፅዮን ግና፥ “እግዚኣብሄር ሓዲጉኒ፤ ጐይታ ኸዓ ረሲዑኒ እዩ” በለት።
ሽዑ እግዚኣብሄር ከምዙይ በለኒ፤ “ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ ደው ኢሎም እንተ ዝልምኑኒ፥ ነዞም ህዝቢ እዚኣቶም ልበይ ኣይርህርሀሎምን፥ ካብ ቅድሚ ገፀይ ኣውፅኣዮምሞ ይኺዱ።
ከምቲ ንዅሎም ኣሕዋትኩም፥ ንዅሎም ዘርኢ ኤፍሬም ዘወገድኩምዎ፥ ካብ ቅድመይ ከወግደኩም እየ፤ ይብል እግዚኣብሄር።”
ቆፍ። ማይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ወሓዘ፤ ኣነውን ጠፋእኹ ኢለ ነይረ።”
ሽዑ ንሱ በለኒ፦ “ኣታ ወዲ ሰብ፥ እዞም ኣዕፅምቲ እዚኣቶም፥ ናይ ኵላ ቤት እስራኤል እዮም፤ እንሆ ንሳቶም ‘ኣዕፅምትና ነቐፃ፤ ተስፋና ተቐበፀ፤ ንሕና ጠፊእና ኢና’ ይብሉ ኣለዉ።
ዳንኤል ድማ እዝ ሕጊ እዙይ ብኣዋጅ ከም ዝወፀ ምስ ፈለጠ፥ ናብ ቤቱ ኸደ። እታ ኣብ ደብሪ ዝነበረት ቤቱ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣቢለን ዝጥምታ መሳዅቲ ነበራኣ። እተን መሳዅቲ ብኽፉታተን ከዓ፥ ከምቲ ቐደም ዝገብሮ ዝነበረ ሰለስተ ሻዕ ኣብ መዓልቲ፥ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ብብርኩ እናተምበርከኸ ፀለየን ኣመስገነን።
ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ዘሓለት፥ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፤ ፀሎተይ ናባኻ፥ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ትዕረግ።