3 ንስኻ ናብቲ መዓሙቝ፥ ናብ ልቢ ባሕሪ ደርበኻኒ፤ ወሓይዝ ከበቡኒ፤ ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሓለፈ።
ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ወሓይዝ ዓመፃ ኣፍርሐኒ፤
እግዚኣብሄር ድምፂ ልመናይ ሰሚዑኒ እዩሞ ፈተኽዎ።
እዝኑ ናባይ ኣቢሉ እዩሞ፥ ብዅሉ ዘመን ህይወተይ ክፅውዖ እየ።
ብጊዜ ጭንቀተይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ንሱውን ሰምዐኒ።
ብድምፂ መንጫዕጫዕታኻ ቓላይ ንቓላይ ትፅውዓ፤ ኵሉ መሸምቦባታትካን ማዕበላትካን ብልዕለይ ሓለፈ።
ቆፍ። ማይ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ወሓዘ፤ ኣነውን ጠፋእኹ ኢለ ነይረ።”
“ኣብ መዓሙቝ ጕድጓድ ኮይነ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ስምካ ፀዋዕኹ።