Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ትንቢት ዮናስ 2:2 - መፅሓፍ ቅዱስ

2 ከምዙይውን በለ፦ “ብጊዜ መከራይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣእዌኹ፤ ንሱውን ሰምዐኒ። ኣብ ከርሲ ሲኦል ኮይነ ኣእዌኹ፤ ንስኻውን ድምፀይ ሰማዕኻ።

Ver Capítulo Copiar




ትንቢት ዮናስ 2:2
26 Referencias Cruzadas  

ዓቕሉ ምስ ፀበቦ ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣቦታቱውን የመና ርእሱ ኣዋረደ።


ፃዕሪ ሞት ሓዘኒ፤ ሕማም ሲኦልውን ረኸበኒ፤ ጭንቀትን መከራንውን ረኸበኒ።


ብጊዜ ጭንቀተይ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ንሱውን ሰምዐኒ።


ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይተሓድጋን ኢኻሞ፥ ንቕዱስካውን ምብስባስ ክርኢ ኣይተሓድጎን ኢኻ።


ናይ ውፁዕ ሽግር ኣይነዓቐንሞ፥ ሸለልውን ኣይበለንሞ፤ ገፁውን ካባይ ኣይሰወረንሞ፥ ናብኡ ምስ ኣእዌኹውን ሰምዐኒ።”


እዝ ምስኪን እዙይ ኣእወየ፤ እግዚኣብሄር ድማ ሰምዖ፤ ካብ ኵሉ መከራኡውን ኣድሓኖ።


ኦ ኣምላኽ ፅድቀይ፥ ክፅውዕ እንተለኹ መለሰለይ፤ ብጭንቀተይውን ኣስፋሕኻለይ፤ መሓረኒ፤ ፀሎተይውን ሰምዐኒ።


ልበይ ተስፋ ምስ ቈረፀ፥ ካብ ወሰን ምድሪ ናባኻ አእዊ ኣለኹ፤ ኣብ ልዕሊ እምኒ ልዕል ልዕል ኣበልካኒ።


ኵሉ ሰብ፥ ፀሎት ናብ እትሰምዕ ናባኻ ይመፅእ።


ምሕረትካ ኣባይ ዓብያ እያሞ፤ ንነፍሰይ ከዓ ኻብ መዓሙቕ ሲኦል ኣድሓንካያ።


“እታ ታሕቲ ዘላ ሲኦል፥ ክትመፅእ እንተለኻ ምእንቲ ኽትቅበለካ ኢላ ተሃወኸት፤ ነቶም ዝሞቱን ዓበይቲ ምድርን ተበራብረልካ ኣላ፤ ንነገስታት ከዓ ኻብ ዙፋናቶም ተትስኦም ኣላ።


“ኣብ መዓሙቝ ጕድጓድ ኮይነ፥ ኦ እግዚኣብሄር፥ ስምካ ፀዋዕኹ።


ሽዑ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወረዱ፥ ናይ ጥንቲ ህዝቢ፥ ከውርደኪ እየ፤ ኣባኺ ዝነብር ከይህሉስ፥ ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ፥ ኣብ መዓሙቝ ምድሪ ኣብ ናይ ጥንቲ ዑናታት ከስፍረኪ እየ፤ ኣነውን ክቡር ነገር ኣብ ምድሪ፥ ህያዋን ክገብር እየ።


እተን ኣብ ማይ ዝተተኽላ ኣእዋም፥ ብቑመተን ከይዕበያን፥ ጫፈን ኣብ ማእኸል ዕሙር ጨናፍር ከየልዕላን፥ ኵላቶም ምስቶም ናብ ጕድጓድ ዝወርዱ ዘለዉ ውሉድ ሰብ፥ ንመዓሙቝ ምድሪ ንሞት ተወፍዮም እዮም እሞ፥ እተን ማያት ዝሰትያ ዅላተን ሓያላት፥ ብትዕቢት ከይቖማስ እዙይ ኮነ።”


ዮናስ ኣብ ከርሲ ዓሳ ኣንበሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝፀንሐ፥ ከምኡ ኸዓ ወዲ ሰብ፥ ኣብ ከርሲ ምድሪ፥ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ክፀንሕ እዩ።


ኵሉ ዝለመነ፥ ይቕበል፤ ዝደሊ ድማ ይረክብ፤ ማዕፆ ንዝዃሕዅሐ ይኽፈተሉ እዩ እሞ።


የመና ተጨኒቑ ስለ ዝነበረ፥ ኣበርቲዑ ፀለየ። ረሃፁ ኸም ነጠብጣብ ደም፥ ናብ ምድሪ የንጠብጥብ ነበረ።


ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሓድጋን ኢኻ፤ ንቕዱስካ ድማ፥ ኣብ መቓብር ክብስብስ ኣይትገድፎን ኢኻ።


ኢየሱስ ብዘመን ስጋኡ እንተሎ፥ ካብ ሞት ከድሕኖ ናብ ዝኽእል፥ ፀሎትን ልመናን ብብርቱዕ ገዓርን ንብዓትን ኣቕረበ። ንእግዚኣብሄር ይእዘዝ ስለ ዝነበረ ድማ ልመናኡ ተሰምዐ።


እቲ ኽሳዕ ሕዚ ዘዛረበንስ፥ ብዝሒ ጓህን ሓዘንን እዩ እሞ፥ ንኣይ ንኣገልጋሊትካ ኸም ሓጢኣተኛ ሰበይቲ ኣይትቝፀረኒ” ኢላ መለሰትሉ።


ነፍሲ ወከፍ ብዛዕባ ኣወዳቱን ኣዋልዱን መሪርዎ ስለ ዝነበረ፥ ኵሉ እቲ ህዝቢ ንዳዊት ብእምኒ ቐጥቂጦም ክቐትልዎ ይደልዩ ነበሩ እሞ፥ የመና ጨነቖ። ዳዊት ግና ብእግዚኣብሄር ኣምላኹ ልቡ ኣፅንዐ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos