1 ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኾይኑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ።
ካብቲ ሩባ ማይ ክትሰቲ ኢኻ፤ ኣብኡ ኽምግቡኻ ድማ ንዃዃት ኣዚዘ ኣለኹ” በሎ።
እንሆ፥ እንተ ቐተለኒ እኳ ንእኡ ብትዕግስቲ ኽፅበ እየ፤ ግና መንገደይ ኣብ ቅድሚኡ ኸፅንዕ እየ።
ብመዓልቲ መከራ ፀውዐኒ፤ ኣነ ኸናግፈካ እየ፤ ንስኻውን ክተኽብረኒ ኢኻ።
ክፅውዐኒ እዩ፤ ኣነውን ክምልሰሉ እየ፤ ብጊዜ መከራኡ ምስኡ ክኸውን እየ፤ ከናግፎ እየ፤ ከኽብሮውን እየ።
ኦ እግዚኣብሄር፥ ብእዋን መከራኦም ደለዩኻ፤ ምስ ቀፃዕኻዮም ልመናኦም ናባኻ ኣፍሰሱ።
“በደሎም ክሳዕ ዝፈልጡ፥ ገፀይ ከዓ ኽሳዕ ዝደልዩ፥ ከይደ ናብ ቦታይ ክምለስ እየ፤ ብጊዜ መከራኦምውን ፈፂሞም ክደልዩኒ እዮም።”
ኣብ ማእኸልኩም መከራ ዝቕበል እንተ ሃልዩ፥ ንሱ ይፀሊ፤ ዝተሓጐሰ እንተ ሃልዩ፥ ንሱ መዝሙር ምስጋና ይዘምር።