9 ንሱ ኸዓ “ኣነ ዕብራዊ እየ፤ ነቲ ባሕርን ንቑፅ የብስን ዝፈጠረ፥ ንኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር ዘምልኽ እየ” በሎም።
እግዚኣብሄር ከዓ ነቲ ንቑፅ መሬት “ምድሪ” ኢሉ ሰመዮ፤ ነቲ እኩብ ማያት ድማ “ባሕሪ” ኢሉ ሰመዮ። እግዚኣብሄር ከዓ ፅቡቕ ከም ዝኾነ ረአየ።
ካብኡ ዘምለጠ ሓደ ሰብ፥ ናብቲ ዕብራዊ ኣብራም፥ መፂኡ ነቲ ዝኾነ ነገሮ። ኣብራም ድማ ኣብቲ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ፥ እቲ ኣሞራዊ፥ ሓው ኤሽኮልን ሓው ኣውናንን ይቕመጥ ነበረ። ንሳቶም ከዓ ምስ ኣብራም ኪዳን ተኣታትዮም ነበሩ።
እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብታ ዝተወለድኩላ ምድርን ዘውፅአኒ ‘ነዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ ኽህባ እየ’ ኢሉ ዝተዛረበንን ዝመሓለለይን፥ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ንሱ መልኣኹ ቐቅድሜኻ ኽልእኽ እዩ፤ ካብኡ ድማ ንወደይ ሰበይቲ ኽተምፅአሉ ኢኻ።
ነገልገልታ ናብኣ ፀዊዓ “ረአዩ፥ እቲ ዘምፅኦ ዕብራዊ ሰብኣይ ኣዋሪዱና፤ ንሱ ምሳይ ክድቅስ ናባይ ኣተወ፤ ኣነ ግና ዓው ኢለ ኣእዌኹ።
ብመጀመርታ ኣብኡ ምስ ተቐመጡ ንእግዚኣብሄር ስለ ዘየምለኽዎ፥ ኣናብስ ሰደደሎም፤ እቶም ኣናብስ ከዓ ኻብኣቶም ውሱናት ቀተሉ።
ካብቶም ካብ ሰማርያ ዝማረኽዎም ካህናት ሓደ መፂኡ ኣብ ቤቴል ተቐመጠ፤ ንእግዚኣብሄር ከመይ ከም ዝፈርሕዎ ኸዓ መሃሮም።
“ቂሮስ ንጉስ ፋርስ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ ኣምላኽ ሰማይ እግዚኣብሄር፥ ኵለን መንግስታት ምድሪ ሂቡኒ፤ ንሱ ኸዓ ኣብታ ኣብ ይሁዳ ዘላ ኢየሩሳሌም ቤት ክሰርሐሉ ኣዘዘኒ።
“ዝሃቡና መልሲ ኸዓ እዙይ እዩ፦ ‘ንሕና ባሮት እቲ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኢና። እዝ ሕዚ እንሰርሖ ዘለና ቤት ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ሓደ ዓብዪ ንጉስ እስራኤል ሰሪሑዎ ዝነበረ ቤት ንሰርሕ ኣለና።
እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰማዕኹ፥ ብዙሕ መዓልቲ ተቐሚጠ በኸኩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እፀውምን እፅልን ነበርኩ።
እቲ ንጉስ ድማ “እንታይ ክገብረልካ ትደሊ?” ኢሉ ጠየቐኒ። ሽዑ ኣነ ናብ ኣምላኽ ሰማይ ፀለኹ።
ኦ ጐይታ፥ እወ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እግዚኣብሄር፤ ሰማይን ሰማየ ሰማያትን ኵሉ ሰራዊቶምን፤ ምድርን ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ዅሉን፥ ባሕርን ኣብኡ ንዘሎ ዅሉን ዝፈጠርካ ንስኻ ኢኻ። ነዝ ኵሉ ብህይወት እተንብሮ ኸዓ ንስኻ ኢኻ፤ ሰራዊት ሰማይውን ይሰግዱልካ።
ሰይጣን ከዓ ንእግዚኣብሄር “ኢዮብ፥ ንእግዚኣብሄር ዘምልኸካ ብኸምኡ ኣይኮነን።
ንኣምላኽ ሰማይ ኣመስግንዎ፤ ምሕረቱ ንዘለኣለም እዩ እሞ።
ንጉስ ግብፂ ድማ ነተን ንዕብራውያት ዘዋልዳ ሲፖራን ፉሓን ዝበሃላ ኸምዙይ በለን፦
ንፅባሒቱ ድማ ወፀ፤ እንሆ ዕብራውያን ዝኾኑ ኽልተ ሰብኡት ክበኣሱ እንተለዉ ረአየ። ነቲ ዝዕምፅ ዝነበረ ኸዓ “ስለ ምንታይ ንሓውካ ትወቕዖ?” ኢሉ ጠየቖ።
ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም፥ ኣምላኽ ሰማይ ፈፂሙ ዘይፈርስን ንኻልእ ህዝቢ ዘይወሃብን፥ መንግስቲ ኸተስእ እዩ። ንዅሎም እዞም መንግስታት እዚኣቶም ክጭፍልቖም እዩ፤ ክሳዕ መወዳእታውን ከጥፍኦም እዩ፤ እዝ መንግስቲ እዙይ ግና ንዘለኣለም ክቐውም እዩ።
ደሓር ግና ደቂ እስራኤል ተመሊሶም፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንዳዊት ንጉሶምን ደልዮም ክምለሱ እዮም። በተን ዳሕረዎት መዓልቲታት ብፍርሓት ናብ እግዚኣብሄርን፥ ናብ በረኸቱን ክመፁ እዮም።
ከምዙይ ከዓ በልዎም፦ “ኣቱም ሰባት! ስለ ምንታይ ከምዙይ ትገብሩ? ንሕናውንኮ ኸማኻትኩም ሰብ ኢና፤ ነዝ ኸንቱ ነገር ሓዲግኩም፥ ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣቶም ዘሎ ዅሉን ዝፈጠረ ህያው እግዚኣብሄር ክትቀርቡ፥ ወንጌል ንሰብከልኩም ኣለና።
በዛ ለይቲ እዚኣ፥ እቲ ኣነ ናቱ ዝኾንኩን ዘገልግሎን እግዚኣብሄር፥ ዝለኣኾ መልኣኽ፥ ኣብ ቅድመይ ቆይሙ፥
ኣነ ኣብ ሻምናይ መዓልቲ ዝተገረዝኩ፥ ካብ ዓሌት እስራኤል፥ ካብ ነገድ ብንያም ዝተወለድኩ፥ ካብ ዕብራውያን ዕብራዊ እየ፤ ሕጊ ብምፍፃምውን ፈሪሳዊ እየ፤
በታ ሰዓት እቲኣ፥ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኾነ፤ ዓስራይ ኢድ እታ ኸተማውን ዓነወ። በቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኸዓ፥ ሸውዓተ ሽሕ ሰባት ሞቱ። እቶም ዝተረፉ ድማ፥ ፍርሓት ስለ ዝሓዞም፥ ንኣምላኽ ሰማይ ክብሪ ሃብዎ።
ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቕዱስ እሞ፥ ኦ፥ እግዚኣብሄር፥ ዘይፈርሐካን፥ ንስምካ ዘየኽብርን፥ መን ኣሎ? እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ፥ ተግሂዱ እዩ እሞ፥ ኵሎም ኣህዛብ ክመፁ፥ ኣብ ቅድሜኻውን ክሰግዱ እዮም።”
ካብ ክፉእ ግብሮም ክንዲ ዝንስሑ፥ ብሰንኪ ቓንዛኣቶምን ቍስልታቶምን ከዓ፥ ንኣምላኽ ሰማይ ፀረፍዎ።