8 ንሳቶም ከዓ “በይዛኻ ንገረና፤ እዝ ረኺቡና ዘሎ መከራስ ብሰንኪ መን እዩ? ስራሕኻ እንታይ እዩ? ካበይከ ኢኻ መፂእኻ? ሃገርካ ኣበይ እዩ? ካብ መን ወገንከ ኢኻ?” ኢሎም ጠየቕዎ።
ፈርዖን ከዓ ነሕዋት ዮሴፍ “ስራሕኹም እንታይ እዩ?” ኢሉ ጠየቖም። ንሳቶም ድማ ንፈርዖን “ንሕና ሓሻኽርካ ስራሕና ኸምቲ ናይ ኣቦታትና መርባሕቲ እንስሳት ኢና” ኢሎም መለሱሉ።
እምበኣርከስ ምእንቲ ኽትሓውዩ፥ ንስንሳትኩም ሓጢኣትኩም ተናዘዙ፤ ምእንቲ ንስንሳትኩምውን ፀልዩ። ፀሎት ፃድቕ ሓይሊ ኣለዋ፤ ብዙሕውን ተስልጥ እያ።
ኢያሱ ድማ ንኣካን “ወደይ በይዛኻ፥ ሓቂ ኽትዛረብ ብእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣማሕፅነካ ኣለኹ፤ ተናዘዝ፥ እንታይ ከም ዝገበርካ እንተይሓባእኻ ንገረኒ” በሎ።
ሳኦል ድማ ንዮናታን “እቲ ዝገበርካዮ ንገረኒ” በሎ። ሽዑ ዮናታን “ብጫፍ እታ ኣብ ኢደይ ዝነበረት በትሪ ንእሽተይ መዓር ጥዒመ ነይረ፤ ሕዚ ኸዓ ኽመውት ይግብአኒ እዩ” በሎ።
ዳዊት ነቲ ግብፃዊ “ንስኻ ናይ መን ኢኻ? ኻበይከ መፂእኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “ኣነ ግብፃዊ፥ ሓሽከር ሓደ ኣማሌቃዊ ሰብኣይ እየ። ሓሚመ ስለ ዝነበርኩ ቕድሚ ሰለስተ መዓልቲ ጐይታይ ሓዲጉኒ ኸይዱ።