Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ትንቢት ዮናስ 1:5 - መፅሓፍ ቅዱስ

5 እቶም መርከበኛታት ድማ ፈርሑ፤ ነፍሲ ወከፎምውን ነናብ ኣምላኾም ተማህለሉ። ክብደት እታ መርከቦም ምእንቲ ክቐለሎም ከዓ፥ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ኣቑሑ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ዮናስ ግና ናብቲ ታሕተዋይ ክፍሊ እታ መርከብ ወሪዱ፥ ከቢድ ድቃስ ደቂሱ ነበረ።

Ver Capítulo Copiar




ትንቢት ዮናስ 1:5
22 Referencias Cruzadas  

ንሳቶም ድማ ነቲ ዝሃብዎም ዝራብዕ ወሰዱ፤ ኣሰናድዮም ከዓ፥ “ኦ በዓል፥ ምላሽ ሃበና” እናበሉ ኻብ ጊሓት ጀሚሮም ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ ስም በዓል ፀውዑ። ግና ድምፂ ኣይነበረን፤ መልሲ ዝህብውን ኣይነበረን። ነቲ ዝሰርሕዎ መሰውኢ ድማ እናዘለሉ ይዞርዎ ነበሩ።


ሰይጣን ድማ ንእግዚኣብሄር “ ‘ቈርበት ክንዲ ቘርበት’ ከም ዝበሃል፥ ሰብ ብህይወት ምእንቲ ኽነብር ኵሉ ዘለዎ ይህብ እዩ።


ኣዘዘ፤ ንፋስ ኣውሎ ኸዓ ተስአ፤ ማዕበልውን ልዕል ልዕል በለ።


ሓዊን በረድን ኣስሓይታን ሑመድያን ንቓሉ ዝእዘዝ ንፋስ ኣውሎን፥


ንምድላይ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምጥፋእውን ጊዜ ኣለዎ። ንምእካብ ጊዜ ኣለዎ፤ ንምድርባይውን ጊዜ ኣለዎ።


እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “ኣቱም ካብ ኣህዛብ ዝሃደምኩም ንዑ፤ ቅረቡውን፤ እቶም ብፅሩብ ዕንፀይቲ ዝተሰርሐ ጣዖታት ዝፆሩን፥ ከድሕን ንዘይኽእል ጣዖት ዝልምኑ፥ ኣእምሮ የብሎምን።


“ይሁዳ፥ ኣማልኽትኻ ኽንዲ ቝፅሪ ኸተማታትካ እዮም፤ እቶም ንርእስኻ ዝገበርካዮም ኣማልኽትኻ ደኣ ኣበይ ኣለዉ? ብጊዜ መከራኻ ኸድሕኑኻ ዝኽእሉ እንተ ኾይኖምስ ይተስኡ።


ኣብ ምድቃሶም ኮይኖም ይበኽዩ ነበሩ እምበር፥ ብልቦም ናባይ ኣየእወዩን፤ ናብ ስርናይን ናብ ወይንን ይእከቡ፤ ኣብ ልዕለይ ግና ዓመፁ።


ሽዑ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንልምነካ ኣለና፤ ምእንቲ ነፍሲ እዝ ሰብ እዙይ ኣይተጥፍአና፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ዝፈተኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ፥ ንፁህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይኹን” ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤


እቶም ሰባት ከዓ ንእግዚኣብሄር የመና ፈርሑዎ፤ ንእግዚኣብሄር ድማ መስዋእቲ ሰውኡ፤ መብፅዓውን ተመባፅዑ።


እቲ ሓለቓ መርከብ ከዓ ናብኡ ቐሪቡ “ንምንታይ ትድቅስ? ተስእ፤ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ከይንጠፍእ እንተ ዘከረና፥ ስም ኣምላኽካ ፀውዕ” በሎ።


መርዓዊ ምስ ደንጐየ ድማ፥ ኵለን ተታኺሰን ደቀሳ።


እንደገና ተመሊሱ ኸዓ፥ ኣዒንቶም ባዕዚዘን ስለ ዝነበራ ደቂሶም ረኸቦም።


ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ ተመሊሱ “ሕዚ እውን ገና ደቂስኩምን ዓሪፍኩምንዶ ኣለኹም? እምበኣር ወዲ ሰብ፥ ናብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፎም ዝህቡሉ ሰዓት በፂሑ እዩ።


በሊዖም ምስ ፀገቡ ኸዓ፥ ነቲ ስርናይ ናብ ባሕሪ ደርብዮም፥ ነታ መርከብ ኣቃለሉላ።


ንሳ ኸዓ ኣብ ኣብራኻ ኣደቀሰቶ፤ ሓደ ሰብኣይ ፀዊዓ ድማ ነቲ ሸውዓተ ጕንጉን ርእሱ ኣላፀየቶ፤ ክተዋርዶውን ጀመረት፤ ንሱ ኸዓ ኽደክም ጀመረ፤ ሓይሉውን ካብኡ እናተፈለየ ኸደ።


ናብቲ ጥቓ መንገዲ ዝነበረ ደምበታት ኣባጊዕ ድማ መፀ፤ ኣብኡ ኸዓ በዓቲ ነበረ፤ ሳኦል ድማ ደገ ኽፍትን ኣተወ። ዳዊትን ሰዓብቱን ግና ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos