3 ዮናስ ግና ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ክሃድም ናብ ተርሴስ ተልዓለ፤ ናብ ኢዮጴ ኸዓ ወረደ፤ ናብ ተርሴስ እትሓልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሃድም፥ ምስኣቶም ናብ ተርሴስ ክኸይድውን፥ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ።
ኣጋ ምሸት ምስ ኮነ ድማ፥ ድምፂ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ገነት እንትመላለስ ሰምዑ። ኣዳምን ሰበይቱን ከዓ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ ኣብ ማእኸል ኣእዋም ገነት ተሓብኡ።
ቃየል ድማ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ወፀ፤ ኣብ ኤደን ብወገን ምብራቕ ኣብ እትርከብ ኖድ ኣብ እትብሃል ምድሪ ድማ ተቐመጠ።
ኤልያስ ከዓ ፈሪሑ ተልዓለ፤ ህይወቱ ንኸድሕንውን ሃዲሙ ኸደ፤ ናብ ቤርሳቤህ ናይ ይሁዳ ድማ መፀ፤ ነቲ ሓሽከሩ ኸዓ ኣብኣ ሓደጎ።
ኣብኡ ኸዓ ናብ በዓቲ ኣተወ፤ ኣብኡውን ሓደረ። “ኤልያስ፥ ኣብዙይ እንታይ ትገብር ኣለኻ?” ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብኡ መፀ።
“እምበኣር፥ ሕዚ እቲ ዝበልካዮ ስርናይን ስገምን ዘይትን ወይንን ስደደልና።
ንሕና ኸዓ ኻብ ሊባኖስ ከም ዝደለኻዮ ኣእዋም ክንቈርፅ ኢና፤ ኣሲርና ብባሕሪ ብጃልባ ኣንሳፊፍናውን ናብ ኢዮጴ ኽነብፅሐልካ ኢና፤ ንስኻ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ተደይቦ።”
ንጉስ ሰሎሞን ምስ ሓሻኽር ኪራም ናብ ተርሴስ ዝኸዳ መራኽብ ነበራኦ፤ ንሳተን ከዓ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን ኣህባይን ኣዕዋፍን ተፅዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓደሻዕ ይመፃ ነበራ።
ንወቐርቲ እምንን ንፀረብቲ ዕንፀይትን ድማ ገንዘብ ሃቡ፤ ከምቲ ብቂሮስ ንጉስ ፋርስ ዝተኣዘዘ ዕንፀይቲ ቄድሮን ካብ ሊባኖስ ብባሕሪ ናብ ኢዮጴ ኸምፅኡሎም፥ ንሲዶናውያንን ንጢሮሳውያንን ምግብን መስተን ዘይትን ሃቡ።
ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን “ኣብ ልዕሊኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፥ ዘለዎ ዅሉ ኣብ ኢድካ ሂበካ ኣለኹ” በሎ። ሰይጣን ከዓ ኻብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፀ።
ሽዑ ሰይጣን ካብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ወፂኡ ኸደ እሞ፥ ንኢዮብ ካብ ከብዲ እግሩ ኽሳዕ መንበስበስታኡ ብብርቱዕ ቍስሊ ወቕዖ።
ብመራኽብ ናብ ባሕሪ ዝወርዱ፥ ኣብ ብዙሕ ማያትውን ስራሖም ዝሰርሑ፥
ንዅለን ነተን መራኽብ ተርሴስን ንዝመልክዑ ጣዖታትን፥ ዘዋርደሉ መዓልቲ ኣለዎ።
ብዛዕባ ጢሮስ ዝተነግረ ፆር። ከተማ ጢሮስ ዓንያ እያ እሞ፥ ቤት የለን፤ ምእታው ድማ የለን እሞ፥ ኣትን መራኽብ ተርሴስ፥ ዋይ ዋይ በላ። ካብ ምድሪ ኪቲም ጀሚሩ ተገሊፁሎም እዩ።
ኣቲ ጓል ተርሴስ፥ ዝኽልክለኪ የለንሞ፥ ከም ኣባይ ኴንኪ ኣብ ሃገርኪ ውሕጅኪ ሕለፊ፤
ኣቱም ኣብ ደሴት እትነብሩ፥ ዋይ ዋይ በሉ፤ ናብ ተርሴስ ተሳገሩ።
ንሱ ኣኽቢሩኪ እዩሞ፥ ስለ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽኪን፥ ስለ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን፥ ንደቅኺ ኻብ ርሑቕ ምስ ብሩሮምን ወርቆምን፥ ምእንቲ ኸምፅኣስ፥ ደሴታትን መራኽብ ተርሴስን፥ ኣቐዲመን ይፅበያ ኣለዋ።
ጣዖታቶም ካብ ተርሴስ ብዝመፀ ብሩርን፥ ካብ ኦፌር ብዝመፀ ወርቅን፥ ብስራሕ ኣንጠረኛን፥ ብኢድ ብልሓተኛን ዝተገብሩ እዮም። ክዳውንቶምውን ብብልሓተኛታት ሰባት ዝተገብረ፥ ሰማያውን ቀይሕን እዩ።
“ንስኻ ግና ኣታ ወዲ ሰብ፥ ዝብለካ ዘለኹ ስማዕ፤ ከምታ ዓማፂት ቤት፥ ዓማፂ ኣይትኹን፤ ኣፍካ ኽፈት፤ ነዝ ዝህበካ ዘለኹ ድማ ብልዓዮ።”
“ተርሴስ ስለ ብዙሕ ዓይነት ሃብቲ፥ ምሳኺ ትነግድ ነበረት፤ ብብሩርን ሓፂንን ቆርቆሮን ዓረርን ገይራ ዋጋኡ ፈደየትኪ።
እቲ መንፈስ ከዓ ኣልዒሉ ወሰደኒ፤ ኣነውን ብምረት፥ መንፈሰይ ተቘጢዑ ኸድኩ፤ ኢድ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕለይ በርቲዓ ነበረት።
ሽዑ እቶም ሰባት፥ ንሱ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ይሃድም ከም ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም፥ ፈሊጦም ነበሩ፤ የመናውን ፈርሑ እሞ “ስለ ምንታይ ደኣ እዙይ ገበርካ?” በልዎ።
ናብ እግዚኣብሄር ድማ “ኦ እግዚኣብሄር፥ እልምነካ ኣለኹ፤ እቲ ኣብ ሃገረይ እንተለኹ ዝተዛረብክዎስ እዙይዶ ኣይኮነን? ለጋስን ርህሩህን፥ ንቝጥዓ ደንጓይን፥ በዓል ዓብዪ ምሕረትን፥ ክፍኣት ካብ ምምፃእ እትናሳሕ ኣምላኽ ከም ዝኾንካ ስለ ዝፈለጥኩ እየ፥ ኣቐዲመ ናብ ተርሴስ ዝሃደምኩ።
ኢየሱስ ግና “ዕርፊ ሒዙ ንድሕሪት ዝርኢ፥ ንመንግስቲ እግዚኣብሄር ኣይበቅዕን እዩ” በሎ።
ጳውሎስ ግና፥ ማርቆስ ኣብ ጵምፍልያ ኻብኣቶም ስለ ዝተፈለየን፥ ናብቲ ኣገልግሎት ድማ ምስኣቶም ስለ ዘይመፀን፥ ክማልኦ ኣይደለየን።
“እምበኣር፥ ኦ ንጉስ ኣግሪጳ! ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን።
ኣብ ከተማ ኢዮጴ ድማ፥ ጣቢታ እትበሃል ኣማኒት ነበረት፤ ትርጕሙ ድማ፥ ድኵላ ማለት እዩ፤ ንሳ ኸዓ ሰናይ ምግባርን፥ ምፅዋት ምሃብን ተዘውትር ነበረት።
ከተማ ልዳ ንኢዮጴ ቀረባ ነበረት፤ እቶም ደቀ መዛሙርት ከዓ፥ ጴጥሮስ ኣብ ልዳ ኸም ዘሎ ምስ ሰምዑ፥ ክልተ ሰባት ልኢኾም እንተይደንጐየ ኽመፆም ለመንዎ።
እዙይ ኣብ ኵሉ ኢዮጴ ተፈለጠ፤ ብዙሓት ከዓ ብጐይታ ኣመኑ።
ጴጥሮስ ድማ፥ ኣብ ኢዮጴ ምስ ሓደ እንዳ ቘርበት ዘልፍዕ፥ ስምኦን ዝስሙ፥ ንብዙሕ መዓልቲታት ተቐመጠ።
ወንጌል እንተ ሰበኽኩ፥ ዝምክሐሉ የብለይን፤ ክሰብኽ ግዴታይ እዩ እሞ፥ እንተ ዘይሰበኽኩ ግና ወይለይ።
ነቲ ዝመስከርናልኩም ስለ ዝተቐበልኩምዎ፥ በታ ብቕዱሳኑ ዝኸብረላን፥ በቶም ዝኣምኑ ዅሎም ዝድነቐላን መዓልቲ፥ ንሳቶም፥ ካብ ገፅ ጐይታ ኾነ፥ ካብ ግርማ ሓይሉ ኽርሕቑ፥ ብናይ ዘለኣለም ጥፍኣትውን ክቕፅዑ እዮም።
ሜያርቆንን ራቆንን፥ እቲ ኣብ መንፅር ኢዮጴ ዘሎውን ምስኡ ይቝፀር ነበረ።