15 ንዮናስ ኣልዒሎም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ፤ እቲ ባሕሪ እውን ካብ ምንዋፁ ሃድአ።
ነቲ ኣዕፅምቲ ሳኦልን ዮናታን ወዱን ድማ ኣብ መቓብር ቂስ ኣቦ ሳኦል፥ ኣብ ምድሪ ብንያም፥ ኣብ ፄላ ቐበርዎ። ኵሉ እቲ ንጉስ ዝኣዘዞ ኸዓ ገበሩ። ድሕሪዙይ ድማ እግዚኣብሄር ብዛዕባ እታ ሃገር ዝተለመነ ሰምዐ።
ነቲ ኣውሎ ነፋስ ፀጥ ኣበለ፤ እቲ ማዕበል ድማ ሃድአ።
ንመዓሙቕ ባሕርን ንድምፂ ማዕበሉን ተናውፅ ኢኻ።
ንሓይሊ ባሕሪ ንስኻ ትገዝኦ፤ ንድምፂ ማዕበሉውን ንስኻ ስቕ ተብሎ።
እግዚኣብሄር እንተ ተመለሰን እንተ ተናሰሐን፥ ንሕና ኸይንጠፍእ ድማ፥ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመለሰን መን ይፈልጥ?”
ንሱ ኸዓ፥ “ኣቱም እምነት ዝጐደለኩም! ንምንታይ ትፈርሑ?” በሎም። ሽዑ ተሲኡ ንንፋስን ንባሕርን ገሰፆም እሞ፥ ዓብዪ ህድኣት ኮነ።
ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም “መምህር፥ መምህር፥ ጠፋእና!” ኢሎም ኣንቅሕዎ፤ ንሱ ድማ ተሲኡ፥ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ባሕርን ገሰፆምሞ ፀጥ በሉ፤ ህደኣትውን ኮነ።