13 እቶም ሰባት እናቐዘፉ ናብ ምድሪ ኽምለሱ ኣበርቲዖም ይፅዕሩ ነበሩ። ግና እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዖም ስለ ዝኸደ ኣይኮነሎምን።
ክፉእ ምእንቲ ኸይነግስ፥ ንህዝቢ ኸዓ መፃወዲያ ኸይኸውንስ፥ ንህዝቢ ወይ ንሓደ ሰብ ዕረፍቲ እንተ ሃቦ፥ መን እዩ ዝዅንኖ? ገፁ እንተ ሰወረኸ መን እዩ ዝሪኦ?
ንእግዚኣብሄር ምቅዋም ዝኽእል፥ ጥበብ፥ ምስትውዓል ወይ ምኽሪ የለን።
ንሱ ድማ “እዝ ብርቱዕ ማዕበል ብሰንከይ ከም ዝበፅሐኩም ፈሊጠ ኣለኹ እሞ፥ ኣልዒልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፤ እቲ ባሕሪ ኸዓ ኽሃድአልኩም እዩ” በሎም።
ሽዑ “ኦ እግዚኣብሄር፥ ንልምነካ ኣለና፤ ምእንቲ ነፍሲ እዝ ሰብ እዙይ ኣይተጥፍአና፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ዝፈተኻዮ ጌርካ ኢኻ እሞ፥ ንፁህ ደም ኣብ ልዕሌና ኣይኹን” ኢሎም ናብ እግዚኣብሄር ተማህለሉ፤