Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ትንቢት ዮናስ 1:10 - መፅሓፍ ቅዱስ

10 ሽዑ እቶም ሰባት፥ ንሱ ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ይሃድም ከም ዘሎ ባዕሉ ስለ ዝነገሮም፥ ፈሊጦም ነበሩ፤ የመናውን ፈርሑ እሞ “ስለ ምንታይ ደኣ እዙይ ገበርካ?” በልዎ።

Ver Capítulo Copiar




ትንቢት ዮናስ 1:10
8 Referencias Cruzadas  

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ሰበይቲ “እዝ ዝገበርክዮ እንታይ እዩ?” በላ። እታ ሰበይቲ ኸዓ “እቲ ተመን ኣስሒቱኒ እየ ዝበላዕኹ” በለት።


ኢዮኣብ ድማ ንንጉስ “ኣዒንቲ ጐይታይ ንጉስ እናረአየ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ነዝ ህዝቢ እዙይ ሚእቲ ሻዕ የብዝሓዮ፤ ግና፥ ጐይታይ ንጉስ፥ ነዝ ነገር እዙይ ስለ ምንታይ ክትገብሮ ደለኻ?” በሎ።


እግዚኣብሄር ብዘይ ምሕረት ይድርብዮ፤ ንሱ ኻብ ኢዱ ቐልጢፉ ኸምልጥ ይደሊ።


እቲ ባሕሪ ማዕበሉ እናበርትዐ ይኸይድ ስለ ዝነበረ ኸዓ፥ ንሳቶም “ባሕሪ ኽሃድአልናስ እንታይ ንግበርካ?” በልዎ።


ዮናስ ግና ኻብ ገፅ እግዚኣብሄር ክሃድም ናብ ተርሴስ ተልዓለ፤ ናብ ኢዮጴ ኸዓ ወረደ፤ ናብ ተርሴስ እትሓልፍ መርከብ ድማ ረኸበ። ካብ ገፅ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሃድም፥ ምስኣቶም ናብ ተርሴስ ክኸይድውን፥ ዋጋ ኸፊሉ ናብ መርከብ ኣተወ።


ጲላጦስ እዝ ዘረባ እዙይ ምስ ሰምዐ የመና ፈርሐ።


ኢያሱ ድማ ንኣካን “ስለ ምንታይ መከራ ኣምፃእኻልና? እግዚኣብሄር በዛ መዓልቲ እዚኣ ኽፉእ ክገብረካ እዩ” በሎ። ኵሎም እስራኤል ድማ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎም፤ ብእምኒ ቐጥቂጦም ምስ ቀተልዎም ከዓ ብሓዊ ኣቃፀልዎም።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos