Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ትንቢት ዮናስ 1:1 - መፅሓፍ ቅዱስ

1-2 ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዮናስ ወዲ ኣማቴ መፀ፦ “ተስእ፤ ናብታ ዓባይ ከተማ ናብ ነነዌ ኺድ፤ ክፍኣታ ኣብ ቅድመይ በፂሑ እዩ እሞ፥ ኣብ ልዕሊኣ ስበኽ።”

Ver Capítulo Copiar




ትንቢት ዮናስ 1:1
7 Referencias Cruzadas  

ንሱ ኸምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ብባርያኡ ነቢይ ዮናስ ወዲ ኣማቴ በዓል ጋትሔፌር ዝተዛረቦ ቓል፥ ነቲ ምድሪ እስራኤል ካብቲ ንሓማት ዘእቱ ጀሚሩ ኽሳዕ ባሕሪ ጨው ኣምለሶ።


ኣንበሳ ጓዚሙኸ ዘይፈርሕ መን እዩ? ጐይታ እግዚኣብሄር ተዛሪቡኸ ዘይንበ መን እዩ?


ንኻልኣይ ጊዜ ኸዓ፥ ከምዙይ ዝብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዮናስ መፀ፦ “ተስእ፤ ናብ ነነዌ፥ ናብታ ዓባይ ከተማ ኺድ፤ ኣነ ዝነግረካ ስብከት ስበኸላ” በሎ።


ክፉእን ዘይኣምንን ትውልዲ፥ ምልክት ይደሊ፤ ብዘይ ምልክት ነቢይ ዮናስ ግና፥ ካልእ ምልክት ኣይወሃቦን እዩ” በሎም። ሓዲጉዎም ከዓ ኸደ።


ሰብ ነነዌ፥ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፥ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዝ ትውልዲ እዙይ ተሲኦም፥ ክዅንንዎ እዮም። ካብ ዮናስ ዝዓቢ ግና፥ እንሆ ኣብዙይ ኣሎ።


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos