Biblia Todo Logo
La Biblia Online

- Anuncios -




ኢዩኤል 2:3 - መፅሓፍ ቅዱስ

3 ኣብ ቅድሚኣቶም ሓዊ ትባላዕ፥ ኣብ ድሕሪኣቶም ድማ፥ ሃልሃልታ ሞዅ የብል፤ እታ ምድሪ ኣብ ቅድሚኣቶም ከም ገነት ኤደን፥ ኣብ ድሕሪኣቶም ከዓ ምድረ በዳ እያ፤ ካብኣቶምውን ዘምልጥ የለን።

Ver Capítulo Copiar




ኢዩኤል 2:3
21 Referencias Cruzadas  

ሎጥ ከዓ ናብ ዙርያኡ ቘላሕ እንተበለ፥ ኵሉ እቲ ናብ ዞዓር ዝወስድ ጐልጐል ዮርዳኖስ ከም ገነት እግዚኣብሄርን፥ ከም ምድሪ ግብፅን፥ ማይ መሊእዎ ኸም ዘሎ ረአየ። (እዙይ እግዚኣብሄር ንሰዶምን ገሞራን ከየጥፍአን እንተሎ እዩ።)


እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ፥ ብወገን ምብራቕ ኣብ ኤደን፥ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝፈጠሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ።


ኣምላኽና ኽመፅእ እዩ፤ ስቕውን ኣይብልን፤ ኣብ ቅድሜኡ ዝቃፀል ሓዊ ኣሎ፤ ኣብ ዙርያኡውን ብዙሕ ኣውሎ ኣሎ።


ሓዊ ቐቅድሚኡ ይኸይድ፤ ኣብ ዙርያኡ ንዘለዉ ፀላእቱ የንድዶም።


ምድሪ ኽሳዕ እትፅልምት ንዅላ ምድሪ ሸፈና። ንዅሉ በቝሊ ምድርን ነቲ ኻብ በረድ ዝተረፈ ዅሉ ፍረ ኦምንውን በልዖ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብፂ፥ ኣብ ኦም ወይ ኣብ በቝሊ ግራት፥ ምንም ለምዒ ኣይተረፈን።


እቲ ኣንበጣ ኸዓ ንምድሪ ኸም ዘይትረአ ገይሩ ኽሽፍና እዩ። ነቲ ኻብ በረድ ድሒኑ ዝተረፈውን ክበልዖ እዩ። ንዅለን ኣብ በረኻ ዝበቘላ ኣእዋም ከዓ ኽበልዐን እዩ።


እቲ ንኸተማታት ዘፍረሰንን ንዓለም ዘባደማን? ንምሩኻቱ ናብ ገዛኦም ክኸዱ ዘይሰደደ ሰብኣይ እዙይ ዲዩ?’ ኢሎም የስተውዕሉኻ።


ማያት ኔምሬም ክነፅፉ እዮም፤ ሳዕሪውን ነቒፁ እዩ፤ ጠጥዒ ፀምልዩ ዅሉ ልምላሜኡ የለን።


ኣንበጣ ኸም ዝእከብ፥ ዝዘመትኩምዎ ክእከብ እዩ፤ ኵብኵብታ ኸም ዝዘልል፥ ሰባት ክዘልሉ እዮም።


“እግዚኣብሄር ንፅዮን ከፀናንዓ እዩ፤ ንዅሉ ዑናታታ ድማ ኸፀናንዕ እዩ፤ ንምድረ በዳኣ ኸም ኤደን፥ ንምድሪ ኣፃምኣ ድማ፥ ከም ገነት እግዚኣብሄር ክገብሮ እዩ፤ ደስታን ሓጐስን ምስጋናን ቃና መዝሙርን፥ ኣብኣ ኽርከብ እዩ።”


ክፍኣት ከም ሓዊ ይቀፃፀል፤ ንእሾዅን ንዃዂቶን ከዓ የቃፅል፤ ትኩ ኸም ኣዕምዲ ንላዕሊ ኽሳዕ ዝድይብ፥ ንዕሙር ዱር ዘንድድ፥ ሓዊ ይባራዕ።


ብቝጥዓ ጐይታ ሰራዊት እግዚኣብሄር፥ እታ ሃገር ትነድድ፤ እቲ ህዝቢ እውን ሓዊ ከም ዝበልዖ ዕንፀይቲ ይኸውን። ሓደ እኳ ንሓዉ ኣይርህርህን።


ንሳቶም ንዝራእትኹምን እንጀራኹምን ክበልዕዎ፤ ነወዳትኩምን ነዋልድኩምን ክበልዕዎም፤ ነባጊዕኹምን ከብትኹምን ክበልዕወን፥ ንወይንኹምን በለስኩምን ክበልዕዎ እዮም። ነተን እትተኣማመኑለን ዕሩዳት ከተማታትኩም፥ ብሰይፊ ኸፍርስወን እዮም።”


ሽዑ ኸዓ ‘እዛ ባዲማ ዝነበረት ምድሪ፥ ከም ገነት ኤደን ኮነት፤ እተን ዝባደማን ዝዓነዋን ዝፈረሳን ከተማታት ድማ፥ ዝተዓረዳን ሰብ ዝነብረለንን ኮና’ ኽበሃል እዩ።


ጐይታ እግዚኣብሄር ከምዙይ ኣርኣየኒ፦ እንሆ፥ ጐይታ እግዚኣብሄር፥ ብሓዊ ኽቐፅዕ ፀውዐ። እቲ ሓዊ ነቲ ዓብዪ ቃላይ ባሕርን ንምድርን በልዖ።


እንሆ፥ ዘይናቶም መንበሪ ኽወርሱ፥ ኣብ ስፍሓት ምድሪ ዝኸዱ፥ መረርትን ፍጡናትን ህዝቢ ከለዳውያን ከተስእ እየ።


ኣነውን ናብቶም ዘይፈልጥዎም ኣህዛብ፥ ብንፋስ ኣውሎ በተንክዎም፤ እታ ምድሪ ኸዓ ብድሕሪኦም ባደመት፤ ስለዙይውን ናብኣ ዝኸይድ ወይ ብኣኣ ዝሓልፍ ሓደ እኳ ኣይነበረን። ነታ ፅብቕቲ ሃገር ድማ ኣባደምዋ።”


Síguenos en:

Anuncios


Anuncios


¡Síguenos en WhatsApp! Síguenos