3 እዙይ ንደቅኹም ንገሩ፤ ደቅኹም ከዓ ንደቆም፥ ደቆምውን ነቲ ዳሕረዋይ ትውልዲ ይንገሩ።
ውሉድ ወለዶ ንግብርታትካ ኽንእዱ እዮም፤ ሓይልኻውን ከውርዩ እዮም።
ኦ ጐይታ፥ በእዛንና ሰማዕና፤ ኣቦታትናውን፥ እቲ ብዘመኖም፥ ብቐደም ዘመን ዝሰራሕኻዮ ስራሕ ነገሩና።
ነቲ ዝመፅእ ትውልዲ፥ ቅልፅምካን ሓይልኻን ፅድቅኻን፥ ክሳዕ ዝነግር፥ ክሳዕ ዝኣርግን ዝሽምግልን፥ ኦ ጐይታ ኣይትሕደገኒ።
“ብዝመፅእ ዘመን ደቅኻ ‘እዙይ እንታይ እዩ’ ኢሎም እንተ ጠየቑኻ፥ ‘እግዚኣብሄር ካብ ግብፂ፥ ካብ ምድሪ ባርነት ብሓያል ቅልፅሙ ኣውፅአና።
ከምቲ ኣነ ሎሚ ዝገብሮ ዘለኹ፥ እቶም ህያዋን ንሳቶም የመስግኑኻ፤ ንስኻ እሙን ከም ዝኾንካ፥ ወለዲ ንደቆም የፍልጥዎም።
ንደቅኻ ንገሮም፤ ኣብ ገዛኻ ኮፍ እንትትብል፥ ኣብ መንገዲ እንትትከይድ እንትትድቅስ እንትትትስእ ዅልሻዕ ዘክሮ፤ ኣስተንትኖውን።