2 ኣቱም ኣረጋውያን፥ እዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ኣብ ምድሪ እትነብሩ ዅልኻትኩምውን፥ ኣእዛንኩም ፅን ይበል። እዙይ ብዘመንኩም ወይ ብዘመን ኣቦታትኩም፥ ከምዙይ ዝበለዶ ኾይኑ ይፈልጥ እዩ?
ጥበብ ኣብ ሽምግልና፥ ምስትውዓልውን ብነዊሕ ዕድመ ይርከብ።”
ብዕድመስ ካብ ኣቦኻ እኳ ዝዓብዩ፥ ሰያባትን ሽማግለታትን ኣብ ማእኸልና ኣለዉ።
ሓጢኣተኛታት ሰባት ስለ ምንታይ ብህይወት ዝነብሩ? ስለ ምንታይከ ዝኣርጉ? ብሃብቲኸ ስለ ምንታይ ዝብርትዑ?
“እስኪ ነቶም ቀደም ዝሓለፉ ትውልዲ ጠይቆም፤ ነቲ ኣቦታቶም ዝፈለጥዎ ድማ ኣስተብህሎ።
ኵልኻትኩም ኣህዛብ፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩውን፥ ኵልኻትኩም ፅን በሉ፤
ኣቱም ኣህዛብ፥ ክትሰምዑ ቕረቡ! ኣቱም ህዝብታት ፅን በሉ፤ ምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎ ዅሉን፥ ዓለምን እቲ ዅሉ ኻብኣ ዝወፅእን ይስማዕ።
ስለዙይ “ኤፍሬም ካብ ይሁዳ ካብ ዝተፈልየሉ መዓልቲ ጀሚሩ፥ ቅድሚ ሕዚ ተርእዩ ዘይፈልጥ ዘመን፥ እግዚኣብሄር ኣባኻን ኣብ ህዝብኻን ኣብ ቤት ኣቦኻን ከምፅእ እዩ፤ ንሱውን ምምፃእ ንጉስ ኣሶር እዩ።
እታ መዓልቲ፥ ዓባይ እያሞ ዝመዓራረያ የለን፤ ንያእቆብ፥ ጊዜ ጭንቂ እያ፤ ግና ኻብኣ ኽድሕን እዩ።”
ኣቱም ልቢ ዘይብሎም፥ ዓይኒ እንተለዎም ዘይሪኡ፥ እዝኒ እንተለዎም ድማ ዘይሰምዑ ሰነፋት ህዝቢ፥ ነዙይ ስምዑ።
“በቲ ዘመን እቱይ፥ እቲ ምእንቲ ደቂ ህዝብኻ እስራኤል ዝቐውም፥ ዓብዪ ሓለቓ ሚካኤል፥ ክትስእ እዩ። ሽዑ መንግስቲ ኻብ ዝተመስረተ ጊዜ ጀሚሩ፥ ክሳዕ እቲ ዘመን እቱይ ተርእዩ ዘይፍለጥ፥ ዓብዪ ናይ መከራ ጊዜ ክኸውን እዩ። ግና በታ ጊዜ እቲኣ፥ ካብ ህዝብኻ፥ እቲ ዅሉ ኣብ መፅሓፍ ህይወት ተፅሒፉ ዝተረኽበ፥ ክድሕን እዩ።
ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ “ሓቅን ምሕረትን ንእግዚኣብሄር ምፍላጥን፥ ኣብታ ምድሪ የለን፤ እግዚኣብሄር ምስቶም ኣብታ ምድሪ ዝነብሩ ዘለዉ ነገር ኣለዎ እሞ፥ ቃል እግዚኣብሄር ስምዑ።
“ኣቱም ካህናት፥ ነዙይ ስምዑ፤ ኣቱም ቤት እስራኤል፥ ኣቕልቡ፤ ኣቱም ቤት ንጉስ፥ ፅን በሉ፤ ኣብ ምፅጳ መፈንጠር፥ ኣብ ታቦር ከዓ ዝተዘርግሐት መርበብ ኴንኹም ኢኹም እሞ፥ እዝ ፍርዲ እዙይ ኣብ ልዕሌኹም እዩ።
ፆም ኣውጁ፤ ጉባኤ ፀውዑ፤ ንሽማግለታትን ኣብታ ምድሪ ንዝነብሩ ዅላቶምን፥ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣክቡ፤ ናብ እግዚኣብሄር ከዓ ተማህለሉ።
መዓልቲ ፀልማትን ጣቓን፥ መዓልቲ ደመናን ግብ ዝበለ ፀልማትን፥ ዓቢይን ሓያልን ህዝቢ፥ ከም ብርሃን ወጋሕታ ኣብ ልዕሊ እምባታት ተዘርጊሑ ኣሎ፤ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኸምኣቶም ዝበለ ኣይነበረን፤ ድሕሪኣቶምውን ክሳዕ ብዙሕ ውሉድ ወለዶ፥ ከምኣቶም ዝበለ ኸቶ ኣይኸውንን።
ኣቱም ደቂ እስራኤል፥ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም፥ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እቲ ኻብ ምድሪ ግብፂ ዘውፃእኽዎ ወገን ዝተናገርክዎ እዝ ቃል ስምዑ፤ ከምዙይውን በለ፦
ኣትን ኣብ እምባ ሰማርያ እትነብራ፥ ንድኻታት እተጥቅዓ፥ ሽግረኛታትውን እተጨንቓ፥ ንጐይተቶም ድማ “ኣምፅኡ ንስተ” እትብላ፥ ኣላሕም ባሳን እዝ ቃል እዙይ ስምዓ።
ኣቱም ቤት እስራኤል፥ እዝ ኣብ ልዕሌኹም ዘልቅሶ ዘለኹ ቓል መልቀስ ስምዑ፦
ኣቱም ህዝብታት ኵልኻትኩም፥ ስምዑ፤ ምድሪ እውን ብምልእታ ትስማዕ፤ ጐይታ እግዚኣብሄር ንሱውን እቲ ኣብ ቅዱስ መቕደሱ ዝኾነ ጐይታ ኣብ ልዕሌኹም ይመስክረልኩም።
ኣነውን ከምዙይ በልኩ፤ ኣቱም ኣሕሉቕ ያእቆብን፥ መሳፍንቲ ቤት እስራኤልን ስምዑ፤ ስለ ፍትሒ ምፍላጥዶ ኣይግብአኩምን?
ኣቱም ፍትሒ እትንዕቑ፥ ቅኑዕ ንዝኾነ እትጠውዩ፥ መራሕቲ ቤት ያእቆብን ገዛእቲ ቤት እስራኤልን፥ በይዛኻትኩም እዙይ ስምዑ።
ዝሰምዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።”
ሽዑ ኻብ መጀመርታ ዓለም ሒዙ ኽሳዕ ሎሚ ዘይኮነ፥ ድሕሪ ሕዚ እውን ከቶ ዘይኸውን፥ ብርቱዕ መከራ ክኸውን እዩ።
“ ‘እዝኒ ዘለዎ፥ እቲ መንፈስ [ቅዱስ] ንኣብያተ ክርስቲያናት ዝብለን ዘሎ፥ ይስማዕ። ነቲ ዝስዕር፥ ካብታ ኣብ ገነት እግዚኣብሄር ዘላ፥ ኦም ህይወት ክበልዕ፥ ክህቦ እየ።’