1 ብመጀመርታ ቓል ነበረ፤ እቲ ቓል ድማ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ፤ እቲ ቓልውን እግዚኣብሄር ነበረ።
እግዚኣብሄር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።
ኦ ኣምላኽ ዙፋንካ ንዘለኣለም እዩ፤ በትሪ መንግስትኻ በትሪ ቕንዕና እዩ።
ስለዙይ እግዚኣብሄር ባዕሉ ምልክት ክህበኩም እዩ፤ እንሆ፥ ድንግል ክትጠንስ እያ፤ ወዲውን ክትወልድ እያ፤ ስሙ ድማ ‘ኣማኑኤል’ ኢላ ኽትሰምዮ እያ።
ህፃን ተወሊዱልና፤ ወዲውን ተውሂቡና እዩ፤ ስልጣን ከዓ፥ ኣብ ማእገሩ ክኸውን እዩ። ስሙውን “ዘደንቕ” “መኻሪ” “ሓያል ኣምላኽ” “ኣቦ ዘለኣለም” “ሓለቓ ሰላም” ተብሂሉ ኽፅዋዕ እዩ።
ኩልሻዕውን ኣብ ቤተ መቕደስ፥ ንእግዚኣብሄር የመስግኑ ነበሩ።
እቲ ቓልውን ስጋ ኾነ፤ ፀጋን ሓቅን መሊእዎ ኸዓ ኣባና ሓደረ፤ ከምቲ ነቦኡ ሓደ ዝኾነ ውሉድ ዝረኽቦ ኽብሪ፥ ክብሩ ረአና።
ንእግዚኣብሄርስ ዝረአዮ ሓደኳ የለን፤ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ፥ ሓደ ወዱ ደኣ ገለፆ እምበር።
ንሱ ብመጀመርታ ኣብ እግዚኣብሄር ነበረ።
ካብ ኣብ ወፂአ፥ ናብ ዓለም መፃእኹ፤ መሊሰውን ንዓለም ሓዲገ፥ ናብ ኣብ ክኸይድ እየ።”
ኦ ኣቦ! ሕዚ ድማ በቲ ዓለም እንተይተፈጥረ፥ ኣባኻ ብዝነበረኒ ኽብሪ ኣኽብረኒ።
ቶማስ ከዓ መሊሱ “ጐይታይን፥ ኣምላኸይን!” በሎ።
ኢየሱስ ከዓ “ብሓቂ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፥ ኣብርሃም እንተይተወለደ ‘ኣነ ነይረ እየ’ ” በሎም።
ንሳቶም ካብ ኣቦታት ዝተወለዱ እዮም፤ ክርስቶስውን ብስጋ ኻብኣቶም እዩ ዝተወለደ። ንሱ ልዕሊ ዅሉ ዝኾነ ኣምላኽ፥ ንዘለኣለም ቡሩኽ እዩ። ኣሜን!
እቲ ኻብ ዘለኣለም፥ ኣብቲ ንዅሉ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ተሰዊሩ ዝነበረ፥ ናይዝ ምስጢር እዙይ ኣገልግሎት፥ ከመይ ምዃኑ ንዅሉ ሰብ ከብርህ ተውሃበኒ።
ንሱ ብባህርዩ ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፥ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ፥ ከም ምምንዛዕ ኣይቘፀሮን።
ክርስቶስ ናይቲ ዘይረአ እግዚኣብሄር ኣምሳልን፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት በዅርን እዩ።
ንሱ ኸዓ፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት ዝነበረ እዩ፤ ኵሉ ፀኒዑ ዝቖመውን ብእኡ እዩ።
እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።
ከምዙይ ኢልና፥ ነቲ ብሩኽ ተስፋና፥ ናይቲ ዓብዪ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክብሪ ኽግለፅ፥ ንፅበ ኣለና።
ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለምን ንሱ እዩ፤ ኣይልወጥን።
መልከ ፄዴቅ፥ ኣቦ ኾነ እኖ ወይ ሃረግ ትውልዲ የብሉን። ዝተወለደሉ መዓልቲ ወይ ናይ ህይወቱ መወዳእታ የብሉን፤ ንሱ ብምሳሌ ወዲ እግዚኣብሄር፥ ንዘለኣለም ካህን ኮይኑ ይነብር።
ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልጋልን ሃዋርያን ካብ ዝኾነ ስምኦን ጴጥሮስ፥ ናብቶም ብናይ እግዚኣብሄርን፥ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ፅድቂ፥ ከማና ኽብርቲ እምነት ዝተቐበሉ፥
ወዲ እግዚኣብሄር ከም ዝመፀን፥ ነቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ምእንቲ ኽንፈልጦ ኢሉ፥ ምስትውዓል ከም ዝሃበናን ንፈልጥ ኢና። ንሕና ብወዱ ብኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኣብቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽ ዝኾነ ኢና ዘለና። ንሱ፥ እቲ ናይ ብሓቂ ኣምላኽን፥ ናይ ዘለኣለም ህይወትን እዩ።
እቶም ዝምስክሩ ሰለስተ እዮም።
“ነዝ እትሪኦ ዘለኻ፥ ኣብ መፅሓፍ ፅሒፍካ፥ ናብተን ኣብ ኤፌሶንን ሰምርኔስን ጴርጋሞንን ትያጥሮንን ሰርዴስን ፊላደልፍያን ሎዶቅያን ዘለዋ፥ ሸውዓተ ኣብያተ ክርስቲያናት ስደዶ” ድማ በለኒ።
ምስ ረአኽዎ ድማ፥ ከም ዝሞተ ሰብ ኮይነ፥ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ወደቕኩ። የማነይቲ ኢዱ ኣብ ልዕለይ ኣንቢሩ ድማ፦ “ኣይትፍራሕ፤ እቲ ቐዳማይን እቲ ዳሕረዋይን፥
ዮሃንስ ከዓ፥ ስለ ቓል እግዚኣብሄርን፥ ኢየሱስ ክርስቶስ ስለ ዝመሃሮ ሓቅን፥ ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዝረአዮ ነገር መስከረ።
እቲ ዘሎን፥ ዝነበረን፥ ዝመፅእን፥ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፥ “ኣልፋን ኦሜጋን ኣነ እየ” ይብል ኣሎ።
ብደም ዝጠልቀየ ኽዳን፥ ተወንዚፉ ነበረ፤ ስሙውን፥ “ቃል እግዚኣብሄር” ይበሃል።
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሰምርኔስውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ቐዳማይን ዳሕረዋይን፥ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝኾነን፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦
ሽዑ “ተፈፀመ፤ ኣልፋን ኦሜጋን፥ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ንዝፀምአ፥ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ክሰቲ፥ ብኸምኡ ኽህቦ እየ።
ኣልፋን ኦሜጋን፥ ቀዳማይን ዳሕረዋይን፥ መጀመርታን መወዳእታን፥ ኣነ እየ።”
“ናብ መልኣኽ ቤተ ክርስቲያን ሎዶቅያውን፥ ከምዙይ ኢልካ ፀሓፍ፦ “ ‘እቲ ኣሜን፥ እሙንን ሓቀኛን ምስክር፥ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት እግዚኣብሄር ዝነበረ፥ ከምዙይ ይብል ኣሎ፦