4 ነፍሲ ወከፍ ሓው፥ መታለሊ፥ ነፍሲ ወከፍ ብፃይ ድማ፥ ሓማዪ እዩ እሞ፥ ነፍሲ ወከፍ ካብ ዓርኩ ይጠንቀቕ፤ ንሓዉ እውን ኣይእመኖ።
ንሱ ድማ “ምስ እግዚኣብሄርን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሰኒፍካ ኢኻ እሞ፥ ደጊም እስራኤል ደኣ እምበር ያእቆብ ተብሂልካ ኣይትፅዋዕን ኢኻ” በሎ።
ነቲ ንብፃዩ ብሕቡእ ዝሓሚ ንእኡ ኸሳጉጎ እየ፤ እቲ ዕቡይ ዓይንን ስሱዕ ልብን ምሳይ ኣይተሓባበርን።
ብልሳኑ ዘይጥብር፥ ንመሓዛኡ ኽፉእ ዘይገብር፥ ቤተሰቡውን ዘይፀርፍ፥
ፅልኢ ዝሓብእ ሓሰውቲ ኸናፍር ኣለዋኦ፤ ሓሜት ዝዝርግሕ ከዓ ዓሻ እዩ።
እቲ ኣብ ብፃዩ ብሓሰት ዝምስክር፥ ከም መዶሻን ሰይፍን በሊሕ ፍላፃን እዩ።
ንሳቶም ክፉእ እንተይገበሩ ኣይድቅሱን እዮምሞ፤ እንተ ዘይጐድኡውን ድቃስ ይኣብዮም እዩሞ።
እንጀራ ሓጢኣት ይበልዑ፤ ወይኒ ዓመፃ ኸዓ ይሰትዩ እዮም እሞ።
እግዚኣብሄር ዝፀልአን፥ ሽዱሽተ ነገራት እየን፤ ነታ ሻውዐይቲ ግና ነፍሱ ኣጥቢቓ ትፅየፋ፤
“ሓሰት ዝዛረብ ሓሳዊ ምስክር፥ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ ዘሳውር ሰብ” እየን።
ካብ እግዚኣብሄር ከዳዕና፤ ከሓድናዮውን፤ ንኣምላኽና ኸይንስዕቦ ድማ ንድሕሪት በልና፤ ግፍዕን ዓመፅን ተዛረብና፤ ዘረባ ሓሰት ጠኒስና፥ ካብ ልብና ኣውፃእናዮ።
መራሕቲ እዝ ህዝቢ እዙይ መስሓትቲ እዮም፤ እቲ ብኣኣቶም ዝምራሕ ህዝቢ እውን ክጠፍእ እዩ።
እንሆ፥ ኣሕዋትካን ቤት ኣቦኻን እኳ፥ ጠሊሞሙኻ እዮም፤ ኣፎም መሊኦም ድማ፥ ደድሕሬኻ ይጭድሩ ኣለዉ፤ ስለዙይ ብጥዑም ቃል እንተ ተዛረቡኻውን ኣይትእመኖም።”
ኵላቶም የመና ዓመፀኛታት እዮም፤ ከም ነሃስን ሓፂንን ዝተረሩ ጠለምትን ከዳዓትን እዮም። ኵላቶም ሓሜት እናዘርኡ ይኸዱ፤ ነሃስን ሓፂንን እዮም፤ ብልሽዋት እዮም።
ልሳኖም ዝተስሓለ ፍላፃ እዩ፤ ሓሰትውን ይዛረብ፤ ነፍሲ ወከፍ ንብፃዩ ብኣፉ ሰላም ይዛረቦ፤ ብልቡ ግና ይፀናተዎ።
ንምፍሳስ ደም ከተርቲ ሰባት ኣባኺ ነበሩ፤ ኣባኺ ኣብቶም ኰረብታታት በልዑ፤ ኣብ ማእኸልኪ ኸዓ ዝሙት ገበሩ።
ኣብ ማእኸል ህዝብኻ ሓሜት ክትነዝሕ ኢልካ ኣይትዙር፤ ኣብ ልዕሊ ደም ብፃይካ ኣይትቑም፤ ኣነ እግዚኣብሄር እየ።
ንዅላትና ሓደ ኣቦዶ ኣይኮነን ዘለና? ዝፈጠረናስ ሓደ ኣምላኽዶ ኣይኮነን? ስለ ምንታይ ደኣ ንሕና ናይ ኣቦታትና ቓል ኪዳን ንምርካስ ንስንሳትና ንሓውና እነታልል?
ካብ ክፉኣት ሰባትውን ተጠንቀቑ፤ ንሳቶም ናብ መጋባእያታት ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ኣብ ኣብያተ ፀሎቶም ድማ ኽገርፉኹም እዮም እሞ።
ሓው ንሓዉ፥ ኣቦ ንውሉዱ፥ ንሞት ኣሕሊፉ ኽህብ እዩ፤ ውሉድውን ኣብ ልዕሊ ወለዶም ክለዓሉ፥ ክቐትልዎምውን እዮም።
ወለድኹም፥ ኣሕዋትኩም፥ ኣዝማድኩም፥ ኣዕርኽትኹም፥ እንተይተረፉ ኣሕሊፎም ክህቡኹም፥ ካባኻትኩምውን ንገሊኣቶም ክቐትሉ እዮም።
ሓደኳ በዝ ነገር እዙይ ጥሒሱ፥ ንሓዉ ኣይበድሎን ኣይበለፀሉን። ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ዘጠንቀቕናኩምን፥ ከምዙይ ንዝገብሩ፥ እግዚኣብሄር ፈዳዪ ሕነ እዩ እሞ።